ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፣ ኲናት ዕሽነት እዩ፣ እንነብረላ መሬታ ዕጥቂ ተራግፍ
ክቡር ዋና ኣሰናዳኢ
ኣብዚ ኣብ ስንኩፍ ኩነታት ጥዕና ኣብ ዝርከበሉ እዋን ንዝገለጽካለይ ቅርበትን ሰናይ ትምኒትን ከመስግነካ እደሊ፣ እንክብሉ ቅዱስነቶም መልእክቶም ኣበጊሶም፣ ኣብዚ ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ ኲናት ዝያዳ ዕሽነት ዝመልኦ ተግባር እዩ። ሰብኣዊ ተኣፋፍነትና እንታይ ይጸንዕን እንታይ ይሓልፍን፡ እንታይ ህይወት ከም ዘምጽእን እንታይ ከም ዝቐትልን ዝያዳ ክነስተውዕሎ ናይ ምግባር ሓይሊ ኣለዎ። ምናልባት በዚ ምኽንያት እዚ፣ ብዙሕ ግዜ ደረት ክንክሕድን ካብ ተኣፋፍያን ሰባት ክንርሕቕን ንደሊ። ተቓላዕቲ ዝኾኑ ሰባት ከም ውልቀ ሰባት ይኹን ከም ማሕበረሰብ፣ ነቲ ዝመረጽናዮ ኣንፈት ኣብ ሕቶ ምልክት ናይ ምእታው ሓይሊ ኣለዎም።
ንዓኻን ንኹሎም እቶም ሞያኦምን ብልሖምን ንሓበሬታ ዘወፍዩ፣ ንዓለምና ኣብ ጭቡጥ ግዜ ብመጋበርያታት መራኸቢ ብዙሓን ኣቢሎም ዘራኽቡ ምሉእ ኣገዳስነት ቃላት ክትግንዘቡ ከተባብዓኩም እፈቱ። ፈጺሞም ድማ ቃላት ጥራይ ኣይኮኑን: ንከባቢታት ደቂ ሰባት ዝቐርጹ ሓቅታት እያቶም። ክተኣሳሰሩ ወይ ክገማምዑ ንሓቂ ከገልግሉ ወይ ንኻልእ ዕላማ ክጥቀሙሉ ይኽእሉ። ቃላትና ዕጥቂ ክፈትሕ ኣለዎ፣ ኣእምሮታት ዕጥቂ ክፈትሕ፣ እንነብረላ መሬት ካብ ዕጥቂ ናጻ ክንገራ ኣሎና። እቲ ዘሎ ዝተሓላለኸ ነገራት (ኩነታት) ዝለዓለ ህድኣትን ኣስተንትኖን ምስትውዓልን ይሓትት።
ኲናት ንግርጭታት መፍታሒ ዘየቕርብ ንማሕበረሰባትን ኣከባብን ጥራይ ዘዕኑ ክኸውን እንከሎ፣ ስነ ክሌኣዊ ሜላዊ ርክብን ኣህጉራዊ ትካላትን ሓድሽ ህይወትን ተኣማንነትን የድልዮም። ብጀካ እዚ ሃይማኖታት ነቲ ድሌት ሕውነትን ፍትሕን ዳግማይ ከበራብራ ካብ ህዝባዊ ሃይማኖታት ድራኸ ክረኽባ ኣለወን፣ እዚ ድማ ተስፋ ሰላም እዩ።
እዚ ኩሉ ተወፋይነትን ስራሕን ስቕታን ቃላትን ዝሓትት እዩ። ኣብዚ ሰማያዊ ጸጋ ብቐጻሊ ዘነቓቕሖን ዘሰንዮን ጻዕሪ ሓድነት ይስመዓና!
ፍራንቸስኮ
ሮማ፣ ቤት ሕክምና ጀመሊ፣ ዕለት 14 መጋቢት 2025 ዓ.ም.