ር. ሊ. ጳ.፦ ኣብ ምድረ በዳታት ድኽነት፣ ወለንተኛታት ምልክት ተስፋ ይኾኑ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ከተማ ሮማ ንኢዮቤል ወለንተይናታ ንምስታፍ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ወለንተኛታት ዝተፈላለየ መለለዪ ክዳውንቶም እተኸድኑ ተርኺቢቦም ኣብቲ ብብፁዕ ካርዲናል ማይክል ቸርኒ እተመርሐ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ኣደባባይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተሳቲፎም። ኣብዛ ቀዳመይቲ ሰንበት ናይ ዘመነ ዓቢይ ጾም ሰላሳ ሽሕ ዝዀኑ ሰባት ኣብቲ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ተኻፊሎም።
ካርዲናላትን ጳጳሳትን ካህናትን ዝርከብዎም ልዕሊ ሚእቲ ዝዀኑ ካብ ቤተክህነት ምስቶም ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ምኡእ ሰብዓዊ ዕቤት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ህየንተ ዝኾኑ ብፁዕ ካርዲናል ማይክል ቸርኒ ኣብቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ተሳቲፎም ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ካብ 14 ለካቲት ኣትሒሶም ኣብ ሆስፒታል ስለዝርከቡ ዘለዉ ካብ ብፁዕ ካርዲናል ቸርኒ ንቅዱስነቶም ወኪሎም ነዚ መሥዋዕተ ቅዳሴ ክመርሑ መዝነት ሃብዎም። እንተዀነ ግን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብመንፈስ ኣብቲ ዝተኻየደ ጽምብል ምንባሮም ንምምልካት ናይ ቅዱስነቶም ሰንደቕ ዕላማ ኣብ ማእከል ዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ የንበልብል ነበረ።
ምስጋና ንወለንተይናታት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ነቲ ዕለት እቲ ዘዳለውዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ ብፁዕ ካርዲናል ቸርኒ ኣንበብዎ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ ኣብ መጀመርታ ጕዕዞ ዓቢይ ጾም ኣተዂሮም ኣስተንትነኑ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ እዞም ወለንተይናታት ኣብ ጐድኒ ብዙሓት ሰባት ኮይኖም ዝገበርዎ ዘለዉ ኣገልግሎትን ቈራጽነትን ብምዝካር ድማ "ኣብ ምድረ-በዳታት ድኽነትን ጽምዋን እቲ ሕልሚ ኣምላኽ ዝኾነ ኣብቲ ስፍራ ኣታኽልቲ ንዅላትና ኮነ ወትሩ ኣብ ኵሉ ቦታ ሓድሽ ሰብ ንኽዕምብብ" ዝሕግዝ ኢዩ በሉ።
ጐ. ኢየሱስ ኣብ ምድረ በዳ መገዲ ኣርእየና
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ናይ ዕለቱ ወንጌል ብምስትንታን ድማ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ "ብመንፈስ ተመሪሑ" ኣብ ምድረ በዳ ዘጋጠሞ ፈተናታት ዘከሩ። እዚ ኣብ ዓቢይ ጾም እንገብሮ ዘሎና ጕዕዞ ኸኣ "ንጐይታ ኣብኡ ብምስዓብን ኣብቲ ንጥቕምና ኢሉ እተሳተፎ ተመክሮ ብምክፋልን" እዩ ዚጅምር። ምኽንያቱ ኣብቲ "ናይ ጽሞና ቦታ" ዝኸውን "ጸጥታ ዝሰፈኖ ቦታ" ናይ ምስማዕ ክእለትና "ይፍተን" ኢዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ "ካብ መንጎ ኽልተ እተፈላለዩ ድምጽታት" ክንመርጽ ኣሎና። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ኣብ ምድረ በዳ ኸሎ ጠምዩን ብቓላት ድያብሎስ ተፈቲኑን እኳ እንተ ነበረ ነዚ ኹሉ ነጺግዎን ስዒርዎን እዩ።
"ንሕና እውን ንፍተን እኳ እንተ ዀንና በይንና ኣይኰንናን። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ኣብ ምድረ በዳ ኺመርሓና ምሳና እዩ ። ወዲ ኣምላኽ ንሰብ ስለ ዝፈጠሮ ንእከይ ብኸመይ ከም እንቃለሶ ኣብነት ጥራይ ኣይኰነን ዚዀነና ። ካብዚ ዚዓቢ ነገር ሂቡና ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ንፈተናንታት ንምቅዋም ኣብ ጕዕዞና ንኽንጸንዕ ዜኽእለና ብርታዐ እዩ።"
ሰለስተ ባህርያት ፈተና
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ስብከቶም ብዛዕባ ሰለስተ መዳያት ፈተና ኢየሱስን ናይ ገዛእ ርእስናን ከምዚ ብምባል ገለጹ - "ብኸመይ ከም ዝጀመረ፣ ብኸመይ ከም እተካየደን ከምኡ ኸአ ሳዕባኤናቱ" ከምኡውን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነዚ ኽልተ ተመክሮታት እዚ ከአ ምስቲ ናይ ሓደ ሰብ ኣብ "ናይ ንስሓ ጕዕዞ" ደገፍ ንምርካብ ዝገብረዎ ቃልሲ ከወዳድርዎ ጻውዒት ኣቕረቡሎም። ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ ብዛዕባ ጅማሬ እቲ ፈተና እንክገልጹ "ጐይታ ስልጣኑ ኼርኢ ኢሉ ናብ ምድረ በዳ ኣይከይድን እዩ፣ የግዳስ ነቲ መርሒቱ ዝቕበሎን ከይተወላወለ ዝእዘዞን መንፈስ ኣቦ ብግልጺ እዩ ዚርኢ" በሉ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ፈተናና "እከይ ቀቅድሚ ናጽነትና ኢዩ፣ ካብ ውሽጥና ከም ውሽጣዊ ጽላሎትን ዘየቋርጽ ስግኣትን ኮይኑ ኢዩ ዘጥቅዓና። "
"ኣምላኽ ናብ ፈተና ኸይመርሓና ኽንልምኖ ኸለና፣ ነቲ ጸሎት እቲ በቲ ወትሩ ምሳና ዚነብር ስጋ ዝለበሰ ቃሉ ዝዀነ ኢየሱስ ኣቢሉ፣ መልሲ ከም ዝሃበና ኽንዝክር ኣሎና። ጐይታ ናባና ይቐርብ እዩ፣ ምናዳ ኸኣ ኣብ ግዜ ፈተናን ስግኣትን እቲ ፈታኒ ድምጹ ኺስማዕ ከሎ ይሓልየልና እዩ።"
ክርስቶስ ንኣምላኽን ንደቂ ሰብን የሕብር
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ክርስቶስ ዝተፈተነሉ መገዲ "በቲ ምስ ኣቦኡ ዝዀነ ኣምላኽ ዘለዎ ርክብ" ምዃኑ ውን ገለጹ። ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ "እቲ ዚፈላልን ዝበታትንን ድያብሎስ እዩ፣ እቲ ንኣምላኽን ንሰብን ዜሕብሮ ግና እቲ ማእከላይ ዝዀነ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ" በሉ። "ድያብሎስ ነዚ ማእሰር እዚ ኼጥፍር እንክደሊ" ኢየሱስ ግና "ንዋላ ሓደ እኳ ከይፈላለየ ንዅሉ ዚሓቍፍ ርክብ" ከምኡውን "ንምድሓንና ኢሉ ንዓለም ዜካፍላ ውህበት" እዩ ዘለዎ።
ኢየሱስ ንእከይ ሰዒሩ ኣድሓነና
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ስብከቶም ኢየሱስ "ንኽፉእ ሰዓሮ" ክንብል እንከሎን፣ እዚ ኸኣ "ብሰንኪ እዚ ፈተናታት እዚ" ኸም ዝዀነ ደምደሙ። ይኹን እምበር ከምቲ ኣብ ወንጌል ተገሊጹ ዘሎ "ንድያብሎስ ሰጐጎ፣ ንሱ ግና ካልእ ኣጋጣሚታት እናተጸበየ ተመልሶ" ማለት "ኣብ ጎልጎታ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ ካብ መስቀል ውረድ" ክበሃል ከሎ ክርስቶስ ግን "ብምስጢር ሞቱን ትንሳኤኡን" ነቲ ፈታኒ ምሉእ ብምሉእ ሰዓሮ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ንፈተናታት ክንዋጽኣሉ እንኽእል ኵሉ ሳዕ ኣይኰንናን።
"ሓድሓደ ግዜ ፈተና እናኣጋጠመና ኽነሱ ንወድቕ ኢና፣ ኵላትና ሓጥኣን ኢና። ይኹን እምበር ኣምላኽ በቲ መወዳእታ ዘይብሉ ፍቕሩን ምሕረቱን ስለ ዜተባብዓና ስዕረትና ንጹር ኣይኰነን። ፈተናና ኸንቱ ኣይኰነን ከመይሲ ብክርስቶስ ካብ እከይ ተበጃዊ ኢና።"
ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ኢየሱስ ባዕሉ ነዚ ሓድሽ መገዲ ሓርነትን ድሕነትን ኣብ ቅድሜና ኸፊቱልና" ኸምኡውን ብእምነት ብምስዓብ "ካብ ሱቕ ኢሎም ዘዕነንዩ ናብ ንጋድያን ንለወጥ" ብምባል ኣስተንትኖኦም ዛዘሙ።