MAP

MAP Francis continues treatment at Gemelli Hospital in Rome

ኵነታት ጥዕና ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ርጉእ ኩነታት ኢዮም ዘለዉ ሓድሽ ልጥታት ውን የብሎምን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሰሉስ ምሸት ሕጽረት ምስትንፋስ ወይ ብሮንኮስፓዝም ኣየጋጠሞምን፣ ብመሰረት እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ ከም ዘመልክቶ ቅዱስነቶም ንቑሕን ኣብ ደሓን ዝኾነ ኩነታት ኢዮም ዝርከቡ ዘለዉ።

ዜና ቫቲካን

ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተም ቅድስቲ መንበት ትማሊ ሰሉስ ምሸት ብዛዕባ ጥዕና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣመልኪቱ መግለጺ ኣውጺኡ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብሰንኪ ዘጋጠሞም ረኽሲ ሥርዓተ ምስትንፋስን ነድሪ ሰናብኡን ኣብቲ ኣብ ከተማ ሮማ ዝርከብ ሆስፒታል ጀመሊ ኣብቲ ትሕቲ ሕክምናዊ ክንክን ኢዮም ዝረከቡ ዘለዉ። እቲ ዝተዋህበ መግለጺ ከም ዘመልክቶ፦

"ትማሊ እውን እንተ ዀነ ኵነታት ጥዕና ቅዱስ ኣቦና ኣብ ርጉእ ኩነታት ኢዩ ውዒሉ። ኣብ ሥርዓተ ምስትንፋሶም ድማ ዝኾነ ጸገማት ወይ ብሮንኮስፓዝም ኣየጋጠሞምን።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝኾነ ረስኒ ውን የብሎምን ወትሩ ንቑሕን ምስቲ ዝግበረለኦም ሕክምናዊ ክንክናት ድማ ብእተኻእሎም መጠን ይተሓባበሩ ኢዮም ዘለዉ ከምኡውን ኣቓልቦ ውን ኣየትፍኡን።

ትማሊ ሰሉስ ንግሆ ናብ ልዑል መጠን ዋሕዚ ዘለዎ ሕገዛ ኦክስጅን ተሰጋጊሮም ንሥርዓተ ምስትንፋስ ዝሕግዝ ፊዝዮተራፒ ውን ይግበረሎም ኣሎ።

ከምቲ ኣብ መደብ ተታሒዙ ዝነበረ ድማ ትማሊ ምሸትን ሎሚ ንግሆ ሓደ መካኒካዊ ሕገዛ ሥርዓተ ምስትንፋስ ተጌሩሎም ኣሎ። ብዛዕባ ጥዕናዊ ኩነታቶም ዘሎ ግምታት ድማ ዝዀነ ዝፍለጥ የልቦን።

ትማሊ ዝተርፈ ግዜኦም ኣብ ጸሎትን ዕረፍን ኢዮም ኣሕሊፎሞ ኣብ ናይ ንግሆ ክፍለ ግዜ ድማ ቅዱስ ቍርባን ተቐበሉ" ክብል ዜን ቫቲካን የመላኽት።

ሎሚ ቀዳም ውን ጽቡቕ ደቂዶም ድሕሪ ምሕዳስር ልክዕ ድሕሪ ሰዓት 8፡00 ንግሆ ኣብ ደሓን ኩነታት ተበራቢሮም።

ሓፈሻዊ ኩነታት ጥዕና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከምቲ ሕክምናዊ መርመራታቶም ከም ዘመልክቶ ጥዕና ልቦምን ኰላሊቶምን ሥርዓተ ዙረት ደሞምን ኣብ ደሓን ዝኾነ ርጉዕ ኩነታት ኢዩ ዘሎ።

ኣብቲ ዘሸግሮም ሮም ዘሎ ጸገማት ሥርዓተ ምስትንፋስን ነድሪ ሰናቡእን ብተደጋጋሚ ዚርአ ብሮንኮስፓዝም ትጽቢት ዘይተገብረሉ ኩነታት ኣይኮነን ዝነበረ። ይኹን እምበር ሕጂውን ኵነታት ጥዕና ቅዱስነቶም ጌና እተሓላለኸ እዩ ዘሎ ።

05 Mar 2025, 13:52