MAP

MAP Francis continues treatment at Gemelli Hospital in Rome MAP Francis continues treatment at Gemelli Hospital in Rome 

ር. ሊ. ጳ. ስለቲ ምእመናን ምስኦም ዘለዎም ቅሩብነት ብምምስጋን፣ ምእንቲ ሰላም ክጽልዩ ድማ ጸዊዖም

እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማተምን፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሆስፒታል ጀመሊ ኣብ ትሕቲ ሕክምና እኳ እንተ ሃለዉ፣ ነቲ ቅዱስነቶም ንጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ዘሰናደውዎ ኣስተትንትኖ ቃል ኣምላኽ ኣሕቲሙ ዘርግሖ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣስተንትኖኦም፣ ምእንቲ ሰላም ቀሎት ክቕጽል ብምምሕጻን፣ ስለቲ ዝግበረሎም ዘሎ ጸሎትን ሕክምናዊ ክንክንን ውን ዘለዎም ምስጋና ገለጹ። ብዛዕባ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል ብምስትንታን ድማ ንኻልኦት ብልግሲ ምርኣይን ወትሩ ብሰናይ ምዝራብን ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሑ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሆስፒታል ጀመሊ ሕክምናዊ ክንክን ኣብ ዝቕጽሉሉ ዘለው፣ ነቲ ንጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ዘሰናደውዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ብቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅስቲ መንበር ተሓቲሙ ክዝርጋሕ ፈቐዱ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ምእመናን ስለቲ ቅዱስነቶም ኣብዛ "ክበድ" ዘሕልፉላ ዘለዉ ህሞት ዝገበሩሎም ዘለው ቅርበትን ጸሎትን ብምምጋን፣ ከምቲ ምእንቲ ቅዱስነቶም ዝጽልዩ ዘለዉ ኣብ ዓለም ሰላም ምእንቲ ክሰፍን ውን ጸሎት ክቕጽሉ ተማሕጸንዎም።

"ካብዚ እዚ ሕጂ ዘሎናዮ ኩነታት ውን ብዝያዳ ውግእ ትርጕም ኣልቦ ኮይኑ ኢዩ ዝርኣ" በሉ፣ ብፍላይ ከኣ "ምእንቲ ዩክረይን ፍልስቴም እስራኤል ሊባኖስ ምያንማር ሱዳን ከምኡ ውን ኪቩ" ምእመናን ክጽልዩ ፍሉይ ጻውዒት ኣቕረቡ።

ንዝግበረሎም ዘሎ ጸሎትን ቅርበትን ዘለዎም ሞሳ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ዝከታተልዎም ዘለዉ ሓካይምን ሰብ ሞያ ኽንክን ጥዕናን "ስለቲ ዝገብሩሎም ዘለዉ ቘላሕታ" ዘለዎም ምስጋና ገለጹሎም፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ውሽጢ እዚ ሕማምም ዘሎ ሕቡእ ጸጋ ውን ኣስተንተኑ። "ብልክዕ ኣብዚ ህሞት እዚ ኢና ብዝያዳ ናብ ጐይታ ምውካል እንመሃር፣ ኣብዚ ግዜ እዚ ድማ ነቲ ኵነታት ናይቶም ዝሓመሙን ዝሳቐዩን ዘለዉ ሰባት ብኣካልን ብመንፈስን ንኽካፈል ኣጋጣሚ ስለ ዝሃበኒ ንኣምላኽ አመስግኖ ኣሎኹ" በሉ።

ኣብ መወዳእታ ነቲ ኻብ ኣልባብ እቶም ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ምእመናን ንዝዓርግ ዘሎ ጸሎት ዘለዎ ዓሚቝ ሞሳ ገለጹ ። "ፍቕርኹምን ቅርበትኩምን ይስምዓኒ እዩ፣ ኣብዚ ፍሉይ እዋን እዚ ኸኣ ኵሎም ህዝቢ ኣምላኽ ከም 'ዚጾሩንን' ከም ዚድግፉንን ዘለዉ ኰይኑ እዩ ዚስምዓኒ ዘሎ። ንዅላትኩም ድማ አመስግነኩም!"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል ቅድሚ ምስትንታኖም ድማ፣ ንኹላትም ኣብ ጸሎትም ከም ዝዝክርዎም ድማ ኣረጋገጹሎም። "ምእንታኹም እውን እጽሊ እየ። ልዕሊ ዅሉ ድማ ሰላም ክሰፍን እጽሊ ኣሎኹ" በሉ።

ብድሕሪ እዚ ድማ ብዛዕባ እተን ኽልተ ህዋሳት ኻብተን ሓሙሽተ ህዋሳትና ማለት ብዛዕባ ምርኣይን ምስትምቓርን ብምስትንታን ብዛዕባ ናይ ሰንበት ንባብ ወንጌል ከስተንትኑ ዓደምዎም።

ነዒንትና ምልምማድ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ምርኣይ እንከስተንትኑ፣ ጐንታናን መድሓኒናን ኢየሱ ክርስቶስ ከምዚ ክብል ይሓተና "ንዓለም ብጽቡቕ ንኽንዕዘባ ኣዒንትና ኸነሰልጥንን፣ ንጐረባብትና ብሰናይ ክንፈርድን ኣሎና" ክብሉ ጸሕፉ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጠመተና ናይ ሓልዮት ጠመተ ጥራይ ደኣ እምበር ኵነኔ ክኸውን ከም ዘይብሉ ኣስተምሂሩና ኢዪ ክብሉ ውን ኣጕልሑ። እዚ ኸኣ ሓቀይና መንፈስዊ ሓይልና ክኸውን ከም ዘለዎ ውን ኣጕልሑ። ወሲኾም ድማ "ምኽንያቱ እዚ ኸኣ ሕውነት እንተ ደአ ዘይ ዀይኑ መአረምታ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ" በሉ።

ብሓልዮት ምዝራብ

በዚ ኸምዚ ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነፍሲ ወከፍ ኦም ብፍሪኡ ኸም ዝፍለጥ ዝመሃሮ ትምህርቲ ኣዘኻኸሩ። ቅዱስነቶም ኣስዒቦም "እቲ ኻብ ሰብ ዚመጽእ ፍረ ኣብ ከናፍሩ ዝበሰለ ቓላቱ እዩ!" ክብሉ ውን ኣመልከቱ። ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ ነቲ ዓመጻ ዝመልኦን ሓሶትን ጽዩፍ ቃላትን በቲ ንዝርርባትና መቐረት ዚህብ "ጽቡቕ ፍረ" ዝኾነ ሠናይን ቅኑዕን ቃላት ነመቅሮ ክብሉ ውን መዓዱ።

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እዚ ኽልተ መዳያት እዚ ብምስትንታን ምእመናን ህይወቶም ክምርምሩ ከምዚ ክብሉ ጻውዒት ኣቕረበሎም - "ነቶም ኣሕዋተይን ኣሓተይን ዝዀኑ ኻልኦት ሰባት ከመይ ገይረ ኢየ ዝርእዮም? ካልኦትከ ብዛዕባ ኸመይ ኢዩ ዝስምዖም? ዘረባይ ጥዑም መቐረት ዶ ኣለዎ ወይስ ብምረትን ብኸንቱነትን እዩ ዝትርጐም?"

02 Mar 2025, 16:59