ር. ሊ. ጳ. ካብ ሆስፒታል ጀመሊ፦ ነቲ ፈጺሙ ዘይጥንጥነና ኣምላኽ ነመስግኖ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ንሰሙናዊ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ዘዳልውዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ "ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዕምቈት ጸሎት ይጥሕል ከም ዝነበረን ብብርሃን ድማ የንጸባርቕ ከም ዝነበርረ" ኣስተንተኑ። "በዚ ኸምዚ [ኢየሱስ] ንደቀ መዛሙርቱ ብድሕሪ እቲ ኣብ ማእከሎም ዝፍጽሞ ዝነበረ ገግባራት ተሰዊሩ ዝነበረ ሓቂ ማለት ብርሃን ናይታ መወዳእታ ዘብላ ዜለኣለማዊ ፍቕሩ ኣርኣዮም" በሉ።
እዚ ሓሳብ እዚ ነቲ ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ እቲ ቅዱስነቶምን ብዙሓት ዝሓመሙ ሰባትን ኣብዚ እዋን እዚ ዘሕልፍዎ ዘለዉ "ናይ ፈተና እዋን" ንኸስተንትኑ ዝደረኾም ኢዩ ዝነበረ። ሰብነትና ድኹም እዩ፣ ከምዚ ዝኣመሰለ እውን እንተ ዀነ፣ ካብ ምፍቃርን ምጽላይን፣ ገዛእ ርእስና ኻብ ምውፋይን፣ ብእምነት ንሓድሕድና ምልክት ተስፋ ኻብ ምዃንን ኪዓግተና ዚኽእል ዋላ ሓደ ነገር የልቦን" በለሉ።
ጩራ ፍቕሪ ኣምላኽ ምስትንታን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ሆስፒታላትን ቦታታት ክንክንን ጥዕናን ዘንጸባርቕ "ብርሃን" ከምኡውን ነቲ "ትሕት ዝበለ ኣገልግሎት ዝህበሉ" ኵሉ ቦታታት "ዘብርህ" ፍቕሪ ኣስተንተኑ፣ ኵሉ ሰብ ድማ ምስ ቅዱስነቶም ሓቢሮም "ነቲ ፈጺሙ ዘይጥንጥነና፣ ኣብ ግዜ ሓዘን ከኣ ኣብ ጥቓና ጩራ ፍቕሩ ዘንጸባርቑ ሰባት ዝህበና ጐይታ ንመስግኖ" ክብሉ ጻውዒት ኣቕረቡ።
ንዅሎም እቶም ምእንቲ ቅዱስነቶም ዚጽልዩ ዘለዉ ሰባት፣ ብፍላይ ከኣ ነቶም ብዙሓት ቈልዑን ህጻናትን እንተላይ ነቶም ቅርበቶም ክገልጹሎም ናብ ሆስፒታል ጀመሊ ዝመጹ ዘለዉ ኣመስገንዎም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ኣነ ውን የፍቅረኩም እየ ፣ ክረኽበኩም ድማ ወትሩ ብሃንቀውታ እየ ዝጸበ ዘሎኹ" በሉ ።
ጸሎት ምእንቲ ሰላምን ምእንቲ ቤተ-ክርስትያንን
ከም ልማዶም ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኣስተንትኖኦም ኣብ መላእ ዓለም ብፍላይ ከኣ ኣብተን "ብውግእ ዝቘሰላ ሃገራት፣ ማለት ኣብ ዩክረይን ፍልስጥኤም እስራኤል ሊባኖስ ምያንማር ሱዳን ከምኡውን ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ" ሰላም ምእንቲ ክሰፍን ካብ ምጽላይ ኣየቛረጹን። ኣብ መወዳእታ ድማ ቤተ-ክርስትያን ነቲ ናይ ሲኖዶስ ጕዕዞ ኣብ ግብሪ ምውዓል ስለ እትገብሮ ዘላ ቀጻሊ ጻዕሪ ጸሎት ክግበር ጻውዒት ኣቕረቡ።