ብዛዕባ ኩነታት ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት መግለጺ
ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ናይ ዕለት 28 ለካቲት ምሸትን ዕለት 1 መጋቢት ወጋሕታ ብዛዕባ ኩነታት ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ቅዱስነቶም ዕለት 28 ለካቲት በቲ ደሓር ብዝተገብረሎም ናይ መርውሓት ሓገዝ ዝተመሓየሸ ኣብ ኩነታት ስርዓተ ምስትንፋስ ጸገም ኣጋጥሚምዎም ከም ዝነበረ ኣፍሊጡ።
ዜና ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ዕለት 28 ለካቲት ንግሆ ኣብቲ ሕክምና ዝከታተልሉ ዘሎ ቤት ሕክምና ጀመሊ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ናይ ግሊ ጸሎትን ኣስተንትኖን ከም ዘቐረብን፣ ድሕሪ ቀትሪ ዘጋጠሞም ናይ ስርዓተ ምስትንፋስ ጸገም ብዝተገብረሎም ናይ መርውሓት ሓገዝ ከም ዝሕሾም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ከም ዘፍለጡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ቅዱሰንቶም ንቑሕን ኣካሎም እውን ነቲ ዝግበረሎም ዘሎ ሕክምናዊ ፍወሳ ጽቡቕ ምላሽ ይህብ ከም ዘሎን፣ ንግሆ ቅዱስ ቅሩባን ከም እተቐበሉን፣ ሕክምናዊ ኩነታቶም ንምግምጋም ካብ 24 ክሳብ 48 ሰዓታት ምጽናሕ ከም ዘድሊ እውን ሓቢሩ፡ ናብ ዕለት 1 መጋቢት ኣብ ዘሰጋግር ለይቲ ጽቡቕ ለይቲ ከም ዘሕለፉ ብሩኒ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
01 Mar 2025, 17:10