ር. ሊ. ጳ.፦ ፈቃር ሕብረተሰብ ንደቂ ኣንስትዮ ምንጻል ጥንሲ ንኸይመርጻ ይድግፈን
ኣባ ተወልደ መብርህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ካብቲ ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ጀመሊ፣ ነቶም በቲ ናይ ኢጣልያ ምንቅስቓስ ተጣበቕቲ ህይወት እተወደበ ንግደት ንዝተሳተፉ መልእኽቲ ለኣኹሎም።
ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ዝሓልፈ ቀዳም ኣብ ቅዳሴ ነቶም ኣብ ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ ጴጥሮስ እተረኽቡ ነጋድያን ሰይንት ነዚ መልእኽቲ ኣብ ክንዲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብምዃን ኣንበቡሎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መልእኽቶም "ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ክርስቲያናዊ ማሕበረሰብን ሲቪላዊ ማሕበረሰብን ንህይወት ሃንጐፋይ ኢለን ክቕበላ ክድግፍወን ከምኡውን ትብዓት ትውክልትኹም ሃብወን" በሉ።
ኣብዚ ግዜና ዘሎ ሕብረተሰብ ኣብ "ጥሪት ተግባር ምህርቲ ከምኡውን ትርኢት" ብምትኳር ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ጸቕጢ ስለ ዝገብር ዝለዎም ጓሂ ውን ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ቤተ-ክርስትያን ክብሪ ሰብ ብምድንፋዕን ነቶም ኣብ ኣዒንቲ ዓለም ዘለዉ ድኹማት ቀዳምነት ብምሃብን ንግጉይ ኣተሓሳስባ ሕብረተሰብ ክትቃወሞ ኢያ እትጽዕር።
"እቲ ዘይተወልደ ሕጻን ምሉእ ብምሉእ ነቲ ድምጺ ዘይብሉ ሰብኣይን ሰበይትን እዩ ዜመልክት" ውን ይብሉ። "ኣብ ጐድኖም ምዃን ክበሃል ከሎ ምስ ኵሎም እቶም እተደርበዩ መላእ ዓለም ብሓድነት ደው ምባል ማለት ኢዩ።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንክርስትያን ምእመናን "ስልጣነ ፍቕሪ" ኼስፋሕፍሑ ጻውዒት ውን ኣቕረቡሎም፣ እዚ ኸኣ ንደቂ ኣንስትዮ "ካብቲ ንዝተጸንሱ ውሉደን ንኸይወልዳ ዚደፋፍአን ጸቕጥታት ዝገብርን" ሓራ ዜውጽአን እዩ።
ንዘይተወልዱ ሕጻናት ከም "ሓደ ኻባታትና" ገይርካ ኣፍልጦ ንምሃብ "ልባዊ ጠመተ" ከም ዘድሊ ውን ኣመልከቱ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ብ1975 እተመስረተ እሞ ነተን ክበድ ጥንሲ ዘለወን ወይ ምንጻል ጥንሲ ንኺፍጽማ ጸቕጢ ዝገንራ ሓያሎ ማእከላት ዝጠበቑ ምንቅስቓስ ህይወት ኢጣልያ ውን ኣመስገንዎም።
ስርሖም "ብግልጽን ብፍቕርን ብጽንዓትን ንሓቂ ምስ ኵሉ ሰብ ብሓድነት ብምሕባር" ባህሊ ህይወት ከም ዘደንፍዕ ውን ገለጹ።
እዚ ምንቅስቓስ እዚ መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ምስረታኡ ኣብ ዘኽብረሉ እዋን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዅሎም እቶም ህይወት ከደንፍዑ ዝደልዩ "ማሕበራዊ ዕቝባ ኣደ ምዃንን ህይወት ወድሰብ ኣብ ኵሉ ደረጃኡ ተቐባልነት ከም ዝረክብ ምግባርን" ክጽዕሩ ከም ዝተማሕጸንዎም ውን ዝዝከር ኢዩ።
"ኣብዚ ፍርቂ ዘመን እዚ ገሊኡ ስነ-ምግባራዊ ጽልኢ እናነከየ ይኸይድ ኣሎ፣ ኣብ መንእሰያት ድማ ንፍጥረት ናይ ምክንኻን ስምዒት ድማ እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዅሉ ደቂ ሰባት ብፍላይ ተነተፍቲ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ንሰብኣዊ ህይወት ገዛእ ርእሶም ኽውፍዩ ጻውዒት ኣቕረቡ ።
"[ህይወት] ኣምላኽ ንዓብይን ባህ ዜብልን ጽሕፍቶ ኢሉ ዝፈጠሮ ቅዱስ ተፈጥሮ እዩ" ውን በሉ። "ዘይተደልዩ ሕጻናት ብዕድመ ዝደፍኡ ወይ መድሓኒት ዘይተረኽቦ ሕማም ዝሓመሙ ሰባት ብምጥፋእ ሕብረተሰብ ኣይህነጽን ኢዩ።"
ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ነቶም ህይወት ሰብ ዜደንፍዑ ኽትከናኸኖም ጸለዩ፣ ምእንቲ ቅዱስነቶምን ምእንቲ ጥዕናኦምን ብቐጻሊ ኺጽልዩ ድማ ተማሕጸንዎም።