ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ ፦ ኒቆዲሞስ ምስ ኢየሱስ ኣብ ዝገብሮ ርክብ ተስፋ ረኸበ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘመሓላለፍዎ፣ ብዛዕባ እቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ኣብ ወንጌል ምስ ዝተፈላለዩ ውልቀ-ሰባት ዝገበሮ ርክባት፣ ብተኸታታሊ ዝገብርዎ ዘለዉ ኣስተምህሮ ብምቕጻል፣ ነቲ ሓደ ኽፋል ናብቲ ብዛዕባ ተስፋና ዝኾነ ህይወት ኢየሱስ ዝብል ኣስተንትኖኦም ኣካፈሉ።
ቅዱስነቶም ብዛዕባ ርክብ ኢየሱስን ኒቆዲሞስን ብምስትንታን ድማ ኒቆዲሞስ ብሳላ እዚ ርክብ እዚ "ካብ ጸልማት ወጺኡ፣ ንክርስቶስ ንምስዓብ ትብዓት ክረክብ ስለ ዝኸኣለ፣ ዛንታኡ ንህይወት ዘብርህን ተስፋ ዘምጽእን ኣጋጣሚታት ኣለዎ" ክብሉ ጸሓፉ።
ኢየሱስ ንጸልማት ልቢና የብርህ
ኣብ ወንጌል ዮሓንስ ተዘንትዩ ከም እንረኽቦ፣ ሓደ ኒቆዲሞስ ዝተሰምየ ፈሪሳዊ ከምኡውን መራሒ ህዝቢ ኣይሁድ ዝነብረ፣ ንፈለማ ግዜ ብለይቲ ናብ ኢየሱስ ከም ዝመጸን፣ ኣብ መወዳእታ ድማ ድሕሪ መስቀል፣ ሬሳ ኢየሱስ ንምሕታት ብትብዓት ናብ ጲላጦስ ከም ዝኣተወ ይነግረና።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም ቅዱስ ወንጌል ከም ዝነግረና፣ እታ ለይቲ እቲኣ ነቲ ኣብ ልቢ ኒቆዲሞስ ዝነበረ ጥርጣሬታት እተመልክት ክትከውን ከም እትኽእል ውን ይገልጹ። "ኣብ ጸልማት እንተ ኣሊኻ ብርሃን ኢኻ ትደሊ።... ስለዚ ኒቆዲሞስ፡ ንናይ ልቡ ጸልማት ከብርህ ከም ዚኽእል ስለ እተረድአ ፣ ንኢየሱስ ኪደልይዎ ተረኽበ።"
ኣብ መጀመርታ ግን ኒቆዲሞስ እቲ ጐይታናን ይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝነግሮ ዝነበረ ነገራት ኺርድኦ ኣይከኣለን። ለውጢ ከም ዜድልዮ ይስምዖ እኳ እንተ ነበረ፣ ኣበይን ብኸመይን ከም ዚጅምር ግን ይፈልጥ ኣይነበረን" በሉ።
ንኸተፍቅር ሓድስቲ መገድታት ምንዳይ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ኣስተንትኖኦም "እዚ ንዅላትና ኣብ ህይወትና የጋጥመና እዩ" በሉ ። ህይወት፣ ከምቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ምስ ኒቆዲሞስ ዝገበሮ ዝርርብ "ሓድሽ ልደት" ክብል ዝጸውዖ፣ ሓድሽ መገዲ ፍቕሪ ንምርካብ ኣብ ዚግበር ለውጢ እተመርኰሰ ምዃኑ ገለጹ።
ቅዱስነቶም ኣስዒቦም "መንፈስ ቅዱስ ኣብ ኣባና ሓድሽ ህይወት ኪፈጥር እንተ ፈቒድናሉ፣ እንደገና ኽንውለድ ኢና" በሉ። ምናልባት ነቲ ኣብ ውሽጥና እናሃሰሰ ዝኸይድ ዘሎ ህይወት እንደገና ኽንረኽቦ ንኽእል ኢና" ውን ክብሉ ጸሓፉ።
ኒቆዲሞስ "እዚ ለውጢ እዚ ኣብ ህይወትና ክፍጸም ከም ዝከኣል ኣርእዩና ኢዩ" ብምባል፣ ሓድሓደ ግዜ ለውጢ ኸይንገብር ንፈርህ እኳ እንተ ዀንና መንፈስ ቅዱስ ግን ንፍርህና ክንሳገሮ የተባብዓና እዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መደምደምታ ከምዚ በሉ - "ኒቆዲሞስ ልክዕ ከማና ናብቲ እተሰቕለን፣ ንሞት ዝሰዓረን ከምኡ ውን ንኹሉ ሰራውር ፍርሕና ዘወገደ ክርኢ ክኢሉ ኢዩ። "ናብቲ ዝወግአ ኣቢልና ንጠምት፣ ኢየሱስ ክተኽበና ውን ንፍቀደሉ፣ ኣባኡ ነቲ ኣብ ህይወትና ዘጋጥመና ለውጥታት ክንዋጽኣሉን እንደገና ንኽንውለድን ዘኽእለና ተስፋ ክንረክብ ኢና።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብዚ እዋን እዚ ብዘንኪ ዘጋጠሞም ጥዕናዊ ጸገማት ኣብቲ ኣብ ከተማ ሮማ ዝርከብ ሆስፒታል ጀመሊ ይርከቡ ስለዘለዉ፣ እዚ ንሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህቶ ትምህርተ ክስቶስ ዘሰናደውዎ ኣስተንትኖ ተሓቲሙ ብምንገዲ ቤትጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መነብር ኢዩ ተዘርጊሑ።