ኩነታት ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ዕለት 8 መጋቢት ኣብ ዘሰጋግር ለይቲ ጽቡቕ ከም ዝደቀሱ፣ ዕለት 8 መጋቢት ንግሆ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምንን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ዜና ቫቲካን
ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ብሩኒ ዕለት 8 መጋቢት ንግሆ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ
ስነ ሕክምናዊ ኩነታቶም ርጉእ ከም ዝኾነ ሓቢሩ፣ ዕለት 7 መጋቢት ድሕሪ ቐትሪ ቅዱስነቶም ሓጺር ዕረፍቲ ምስ ገበሩ፣ ኣብ ጸሎትን ስራሕን ከም ዘሕለፍን ዝወሃቦም ዘሎ ናይ ምስትንፋስ ስነ ፍወሳ ይቕጽል ከም ዘሎን፣ “ቀትሪ ፍወሳ ኦክስጅን ለይቲ ድማ ፍወሳ ርውሓትን ከም እተገበርሎም ሓቢሩ።
08 Mar 2025, 16:37