ኵነታት ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ
ኣብ ሕክምና ዝርከቡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 3 መጋቢት ክልተ ሳዕ ናይ ምስትንፋስ ሕጽረት ኣጋጢምዎም ከም ዝነበረን ድሕሪ ዝተገብረሎም ሕክምናዊ ሓገዝ ከም ዝሓሾምን፣ ምሉእ ለይቲ ጽቡቕ ከም ዝደቀሱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ዕለት 4 መጋቢት ንግሆ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም።
ዜና ቫቲካን
ዕለት 4 መጋቢት ንግሆ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ናይ ዕለት 3 መጋቢት ምሸትን ወጋሕታ ዕለት መጋቢት 4ን ኩነታት ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣማእኪሎም ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ ቅዱስነቶም ምሉእ ለይቲ ጽቡቕ ከም ዝደቀሱን ወጋሕታ ዕለት 4 መጋቢት እውን ጽቡቕ ከም ዘዕረፉን ሓቢሮም፣ ቅዱስ ኣቦና ካብ ዕለት 14 ለካቲት ጀሚሮም ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ብዝሓደሮም ነድሪ ጉርጉማ ምኽንያት ኣብ ሕክምና ከም ዝርከቡ ዝዝከር ኮይኑ፣ ትማሊ ሶኑይ ምሸት ዕለት 3 መጋቢት ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ብሩኒ፣ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ዕለት 3 መጋቢት ምሸት ክልተ ግዜ ሕዱር ሕጽረት ስርዓተ ምስትንፋስ ከምዘጋጠሞም . . . እዚ እውን ኣብ ሳንቡእ ዝተፈጥረ እኽብካብ ልፋጫ ንምእላይ ዘድሊ ፍወሳ ከም እተገብረሎም ብሩኒ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ገሊጾም፣ ዕለት 3 መጋቢት ድሕሪ ቀትሪ ንዘጋጠሞም ምስትንፋስ ሕጽረት ንምትኽኻል ዘድሊ ፍወሳ ከም እተገበረሎም ኣመልኪቶም።
04 Mar 2025, 16:14