ናይ ድምጺ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ካብ ሆስፒታል፦ ስለ ጸሎትኩም የመስግን ካብዚ ዘሎኽዎ ድማ የሰንየኩም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዕለት 14 ለካቲት ናብ ሆስፒታል ጀመሊ ካብ ዝኣተወሉ ግዜ ኣትሒዞም ብዛዕባ ዝተገብረሎም ብዙሕ ናይ ፍቕርን ቅርበትን ምስክርነት ብናይ ድምጺ መልእኽቲ ዝተመልኣ ብቋንቋ እስጳንኛ እናተዛረቡ ናይ ምስጋና መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፣ ኣብቲ ምእንቲ ቅዱስነቶም ምሸት ምሸት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝዓርግ ዘሎ ጸሎተ መቁጸራያ ድማ ትማሊ ሓሙስ ልክዕ ሰዓት 9 ድሕሪ ቀትሪ እዚ መልእኽቲ እዚ ከም መኽፈቲ ጸሎት ትሰምዐ። እቲ ትማሊ ሓሙስ ዝዓረገ ጸሎት መቑጸርያ ድማ በቶም ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ሰብ ውፉይ ሕይወት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መነብር ተሓባባሪ ሕየንተ ዝኾኑ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ፈርናንደዝ ኣርቲመ ኢዩ ተመሪሑ።
ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም፦
"ስለቲ ብኹነታት ጥዕናይ ኣብ ኣደባባይ [ቅዱስ ጴጥሮስ] ተዕርጉለይ ዘሎኹም ጸሎት ብምሉእ ልበይ የመስግነኩም። ካብዚ ዘሎኽዎ ድማ አሰንየኩም ኣለኹ። ኣምላኽ ይባርኽኩም፣ ድንግል [ማርያም] ውን እውን ተዕቍብኩም። እግዚኣብሔር ይሃበለይ።” ክብሉ ልባዊ መልእኽቶም ኣመሓላለፉ
ካብ ሰኑይ ዕለት 24 ለካቲት ኣትሒዞም በሽሓት ዝቝጸሩ ምእመናን ምስ ኵሎም እቶም ኣባላት ኵርያ ሮማናን ሰበኻ ሮማን ዝኾኑን ተሓባበርቶምን ሓቢሮም ምእንቲ ጥዕና ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምሸት ምሸት ጸሎት ጸኒሖም ኣለዉ።