MAP

2023.08.04 Viaggio Apostolico in Portogallo in occasione della XXXVII Giornata Mondiale della Gioventu' - Confessione di alcuni giovani della GMG

ር. ሊ. ጳ. ነቶም ኣበ ንስሓ ኣገልገልቲ ምሕረት ኪዀኑ ካህናት ኣተባብዕዎም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ኣነዘዝቲ ካህናት ንእሙናት ኣብ መገዲ ንስሓን ተሓድሶን ብምስናይ "ኣገልገልቲ ምሕረት" ክዀኑ ጻውዒት ኣቕረበሎም።

ኣባ ተወልደ መብርህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሓሙስ ዕለት 27 መጋቢት ናብ መናዘዝቲ ዝኾኑ ካህናት ኣብ ዝለኽዎ መልእኽቲ፣ ብፍላይ ኣብ ዓመተ 2025 ቅዱስ ዓመት ኢዮቤል ብዛዕባ ዘለዎም ፍሉይ ተራ ኣስተንተኑ።

እዚ ናይ ቅዱስነቶም ዜተባብዕ ቃላት ነቶም ኣብቲ ብሓዋርያዊ ቤተ ኑዛዜ እተወደበ መበል 35 ዓለምለኻዊ መድብ ስልጠና ንዝሳተፉ ዘለዉ ኣብ እተላእከት መልእኽቲ ኢዩ ዝነበረ።

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዚ በልዎም - "ንምሕረት ኣክብረዋ፣ ብፍላይ ድማ ምስቶም ምስቶም ናይ ዓመተ ኢዮቤል ነጋድያን ኮይንኩም ነዚ ምሥቲር ክተስርዑ ምኽኣልኩም ሓደ ፍሉይ መሰል ኢዩ - ኣምላኽ ብጸጋኡ ኣገልገልቲ ምሕረት ገይሩና ኢዩ፣ እዚ ውህበት እዚ ንሕና ንባዕልና ዝተቐበልናዮ ክንዲ ዝኾነ ኢዩ፣ ሕጂውን ስለ ዘድልየና ብመጀመርያ ደረጃ ንሕና ምሕረቱ ተቐቢልና  ኢና ። "

እቲ ኻብ ዕለት 24-28 መጋቢት ክካየድ ዝጸንሐ ቀጻሊ ስልጠና ነቶም ኣናዘዝቲ ካህናት ኣገዳስነት ናይ ምዕዳል ቅዱሳት ምስጢራት ኣብ ግምት ብምእታው ቀጻሊ ምስንዳው ንኽህልዎም ኣኽኢሉ ኢዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ፍቑራት ኣሕዋት" ቢሎም ብምጽዋዕ ጸሎት መሰረት ኣገልግሎቶም ስለ ዝዀነ ናይ ጸሎት ሰባት ኪዀኑ ተማሕጸንዎም።

"ኣብ ሕይወት ጸሎት ኢዩ መሰረት ኣገልገሎትኩም ኣብ ምዕዳል ምስጢራት ተስሪቱ ዘሎ፣ ብእኡ ኣቢልኩም ድማ ዕዮ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ኩሉ ከም ዝበጽሕ ኢኹም እትገብሩ ዘሎኽም፣ ንሱ ውን ክሳብ ሕጂ ከማኡ ይገብርን ንተግባራቱ ይቕጽልን ኣሎ፣ 'ኣነ ውን ኣይኵንነክን እየ። ኪድ ደጊም ሓቲኣት ኣይትግብሪ' (ዮሓ. 8፡11)" ከም ዝበላ ካብ ወንጌል ዮሓንስ ብምጥቃስ ጸሓፉ።

ቤተ-ክርስትያን ዓመት ኢዮቤል ኣብ እተኽብረሉ ዘላ እዋን፣ ቅዱስ ኣቦና ኸምዚ ክብሉ ጸሓፉ - "እዚ ሓራ ዜውጽእ ቃል ጐይታ ኣብ መላእ ቤተ-ክርስትያን ይሰማዕ (...) ነቲ ምስ ኣምላኽ ካብ ምትዕራቕ ዝምንጭኑ ናብ ሓድሽ ርክብ ምስ ኣሕዋት መገዲ ዝኸፍትን፣ ልቢ ከም ዝሕደስ ዝገብር ኢዩ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሓቀይና ሰላም ካብ ምሕረት ኣምላኽ ከም እተወልደን፣ ዘየሕፍር ተስፋ ኸም ዜምጽእን ብምርግጋጽ ኣብ መንጎ ምሕረትን ሰላምን ዘሎ ምትእስሳር ኣጕልሑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ መልእኽቶም ኣብ ምዝዛም ነቲ ኣድላዪ ዝዀነ ናይ ምሥጢረ ኑዛዜ ኣገልግሎቶም ዘለዎም ምስጋናኦም ውን ገለጹሎም፣ ናብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብምፋይ ድማ ከተዕቍቦም ተማሕጸንዋ።

28 Mar 2025, 15:54