MAP

2025.03.23 Saluto e Benedizione di Papa Francesco dal Policlinico Gemelli 2025.03.23 Saluto e Benedizione di Papa Francesco dal Policlinico Gemelli  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ. ሎሚ ሰንበት ካብ ሆስፒታል ወጺኦም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሎሚ ሰንበት ዕለት 23 መጋቢት፣ ካብ ሆስፒታል ናብ ቤቶም ተመሊሶም ኣለዉ ። ሎሚ ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ አብ ሆስፒታል ጀመሊ ነቶም ኣብ ቅርዓት ናይቲ ሆስፒታል ዝተረኽሙ ምእመናን ሰላምታን ቡራኬን ኣካፊሎም፣ ብድሕሪኡ ድማ ናብ መንበሪ ገዝኦም፣ ናብ ቤተ ኣጋይሽ ቅድስቲ ማርታ ሃገረ ቫቲካን ተመሊሶም ኣለው።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሎሚ ሰንበት ካብቲ ካብ ዕለት 14 ለካቲት ጀሚሮም ብንሰኪ ዘጋጠሞም ጥዕናዊ ጸገማት ረኽሲ ሥርዓተ ምስትንፋስን ነድሪ ሰናቡእን ኣብ ትሕቲ ክንክን ሓካይም ድሕሪ ምጽናሕ፣ ካብ ሆስፒታል ኣጎስቲኖ ጀመሊ ሮማ ናብ ሃገረ ቫቲአካን ተመሊሶም ኣለዉ።

ቅዱስነቶም ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ፣ ነቶም ንቅዱስነቶም ፍቕሮምን ሓድነቶምን ንምግላጽ ኣብ ቅርዓት ሆስፒታል ጀመሊ ንእተረኽቡ ሕዝቢ፣ ካብ ሰገነት ናይቲ ሆስፒታል ተቐልቒሎም ሰላምታኦምን ምስጋናኦምን ኣወፈዩሎም። ቅዱስነትም “ንኹልኹም አመስግነኩም!” ክብሉ ውን ልባዊ ምስጋናኦም ገለጹሎም።

ሓላፊ ናይቶም ንቅዱስነቶም ክከናኸኑ ዝጸንሑ ጉጅለ ሓካይም ዝኾነ ዶ/ር ሰርጂዮ ኣልፊየረ ትማሊ ቀዳም ድሕሪ ቀትሪ ካብ ሆስፒታል ጀመሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ "ዓለምን ኵሉ ሰብን ዝጽበይዎ ዘለዉ ብስራት ክነግረኩም፣ ጽባሕ ቅዱስ ኣቦና ካብ ሆስፒታል ክወጽኡ ኢዮም፣ ናብ ሳንታ ማርታ [መንበሪኦም] ድማ ክምለሱ ኢዮም" ክብል ኣመልከቲ።

ኣብ ጐድኒ ዶ/ር ኣልፊየረ ዝነበረ ግላዊ ሓኪርም ቅዱስነቶም ዶ/ር ሰርጆ ካርቦነ፣ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት  ካብ ሆስፒታል ንምውጻእ ዝተገብረ ውሳነ ኣብ ኣብ ውጽኢት ክሊኒካዊ መርመራታ ቀጻልን ቅልጡፍን ምምሕያሽ ዅነታት ጥዕናኦም ስለ እተራእየ ምዃኑ ውን ገሊጹ ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዓብዪ ምምሕያሽ ከም ዝርኣዩ ውን ኣመልኪቱ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዕለት 14 ለካቲት ናብ ሆስፒታል ድሕሪ ምእታዎም፣ እቲ ነድሪ ሰናቡእ ዘስዓበሎም ጸገማት ከም ዝተመሓየሸን፣ ኣብ ስርዓተ ምስትንስ ተራእዮም ዝነበሩ ታሕዋስያንን ብዙሕ ቁጽሪ ከም ዝጐደሉን ስለ ዝተረኽቡ ንገበርዎ ዓቢይ ምምሕያሽ  ኣረጋጋጊጹ።

ዶ/ር ኣልፊየሪ ብወገኑ ነቲ ካብ ጋዜጠይናታት ዝቐረበሉ ሕቶታት ብምምላስ እቲ ነድሪ ሳምቡእ ብዕዉት መገዲ ኸም እተሓከሙን፣ እንተዀነ ግን ምሉእ ብምሉእ ንኺሓዊውዩ ግዜ ኸም ዜድልዮም ውን ገለጸ።

ስለዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እንተ ወሓደ ንኽልተ ወርሒ ዚኣክል ናይ ዕረፍቲ ግዜ ክወስዱ ተኣዚዙሎም ኣሎ፣ ኣብዚ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ድማ ሕክምናዊ ኽንክን ክግበረሎም ምዃኑ ወሲኹ ገሊጹ ።

ዶ/ር ኣልፊሪ ጥዕና ቕዱስ ኣቦና ብቐጻሊ ይመሓየሽ ከም ዘሎን፣ ድሕሪ ሓጺር እዋን ከኣ መደበይና ስርሖም ክቕጽሉ ተስፋ ኸም ዚግበረሎምን ኣመልኪቱ ። ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን ከምቲ ቕድሚ ሕጂ ዝገብርዎ ዝነበሩ ብቐጥታ ምስ ሰባትን ጕጅለታትን ኪራኸቡ ይኽእሉ ማለት ኣይኰነን ።

እቲ ዶክርተር ኣስዒቡ፣ ከምቲ ሕክምናዊ ጸብጻባት ኩነታት ጥዕና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ሆስፒታል ዝሕብር ዝጸንሐ፣ ቅዱስነቶም ኣብዚ ሆስፒታል ኣብ ዝጸንሑሉ እዋን ወትሩ ንትእዛዛት ሓካይም ብምቕባል “ንፉዕ ተሓካሚን” ተሓባባሪርን ኮይኖም ኢዮም ኣሕሊፎሞ ክብል ውን መስከረ።

ኣብዚ ናይ ሕክምና ግዜኦም ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ከእቱ ዝኽእል ኽልተ ወሳኒ ኩነታት ኣጋጢምዎም ከም ምንባሩ ውን ኣመልከተ ። መካኒካዊ ልዑል መጠን ዋሕዚ ዘለዎ ሕገዛ ናይ ኦክስጅን ኢዩ ክግበር ዝጸንሐ እምበር፣ ናብ ሳንቡ ብዝኣቱ ቱቦታት ዝወሃብ ካልእ ሕገዛ ኣየድለዮምን፣ ቅዱስነቶም ውን ወትሩ ንቑሕን ኣስተውዓልን ኢዮም ዝነበሩ።

ድሕሪ ከምዚ ዝበለ ናይ ነድሪ ሳምቡእ ሕክምና፣ ንግዜኡ "ድምጾም ክደክም" ንቡር ምዃኑ ውን ገለጸ፣ ኣስዒቡ ውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሕማም ሽኮርያ ከም ዘይብሎም ኣመልከተ።

ዶ/ር ኣልፊትየሪ ኣብ መግለጺኡ ኣስዒቡ፣ ቅዱስ ኣቦና ናብ ቤቶም ድሕሪ ምምላሶም፣ ዕለታዊ ህይወት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከመይ ከም ዝመስል ምስ ተሓተ፣ ድሕሪ ሓጺር እዋን ንቡር ንጥፈታቶም ክቕጽሉ ተስፋ ብምግባር ቀጻሊ ሕክምናዊ ምክትታል ክገብሩ ምዃኖም ውን ገለጸ ።

እቲ ሓኪም ወሲኹ ቅዱስነቶም ኣብ ሆስፒታል ኣብ ዝነበረሉ እዋን፣ ምስ ቤተ-ክርስትያን ንዚተሓሓዘ ኮነ ካልእ ግድነታት ሓላፍነቶም ወትሩ ምስ ሰባት ይራኸቡ ከም ዝነበሩን ከምቲ ዝረኣናዮ ድማ ንንጥፈታት ተልእኾኦም ገዛእ ርእሶም ብምውፋይ ከም ይቕስሉ ከም ዝነበሩ መስከረ።

23 Mar 2025, 15:53