ር. ሊ. ጳ. ምስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ኣልባንያ ጥቡቕ ርክብ ክምስረት ተስፋ ይገብሩ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቅድስቲ መንበር ነቶም ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ቲራና ኣብ እተኻየደ ናይ ቲራናን ዱሬስን መላእ ኣልባንያን ሥርዓት ሲመት ብፁዕ ሊቀ - ጳጳሳት ጆኣን ንምስታፍ ተወካሊ ልኡኽ ልኢኻ።
ብፁእ ሊቀ -ጳጳሳት ፍላቪዮ ፓቸ ዋና ጸሓፊ ክርስትያናዊ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ሓድነት ክርስቲያን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ከም ፍሉይ ልኡኽ ቅዱስነቶም ብምዃን ኣብቲ እተኻይደ ሥርዓተ ሲመት ተሳቲፎም።
ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ጆኣን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቶም "ብፍቕሪ ክርስቶስ ዝግበር ሓድነታዊ ሰላምታ" ብምግላጽ ውን ናይ ዕንቋዕ ኣብጽሓኩምን ሰናይ ምንዮቶምን መልእኽቶም ኣመሓላለፉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም "ንመንፈሳዊ ቅርበተይ ክገልጸልኩም ፍቐዱለይ፣ እቲ ምንጪ ዅሉ ሰናይ ዝዀነ ኣምላኽ ኣቦና፣ ነተን ብሕድሪ እተዋህባኹም መጓሰ ኽትመርሕወን ኣኺሉ ዚተርፍ ውህበት መንፈስ ቅዱስ ኪህበኩም ከም ጸሎተይ አረጋግጸልኩም ኣለኹ" ክብሉ ጸሓፉሎም።
ነቶም ቅድሚ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ጆኣን ዝነበሩ ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ኣናስታዝ ብምዝካር ድማ፣ ነቲ ዝነበሮም ሃዋርያዊ ቅንኣቶም "ንሃገረ ኣልባንያ ዓሚቝን ነባርን ውርሻ ሓዲጉላ ኢዩ" ክብሉ ውን መስከሩ።
ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ከምዚ በሉ - "ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ኣናስታስ ካብ እተፈላለያ ኣብያተ-ክርስትያንን ሃይማኖታውያን ማሕበራትን ንዝዀኑ ሰብኡትን ኣንስትን ብሰላማዊ መገዲ ብሓባር ንኽነብሩ ብዝገበርዎ ቘራጽነት ገዛእ ርእሶም ኣኽኢሎም ኢዮም፣ ኣብ መንጎ ኣብያተ-ክርስትያንና ዘሎ ርክብ ንምምሕያሽ ከኣ ዓቢ ኣበርክቶ ገይሮም ኢዮም" ክብሉ ውን ወሲኾም ኣሞገስዎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ መልእኽቶም ብምቕጻል ነቲ ኣብ መንጎ ክርስትያናውያን ማሕበራት ንዘሎ ምፍልላይ ንምስናፍን ምሉእ ብምሉእ ርክብ ንምምስራትን ዝርርባት ንምቕጻልን ውን ጻውዒት ኣቕረቡሎም።
"ኣብዚ ውግእን ዓመጻን ዝመልኦ ጽንኩር እዋን ዓለም፣ ነቲ ናይ ወንጌል ብዛዕባ ሓድነትን ሰላምን ዝገልጽ መልእኽቲ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽትቅበሎ፣ ክርስትና ብዛዕባ ሓድነትን ትውክልትን ዝግበሮ ምስክርነት ክትቅጽሉን፣ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ህጹጽ እናዀነ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብተወሳኺ ክርስትና ንዓለም "እቲ ድሮ ሓድነት ከም ዚህልወና ዚገብር ዘሎ ሓቀይና ሕብረት" ከርኢ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ውን ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም ከምዚ ክብሉ ጸሓፉ - "ኣብ ትሕቲ ኣባታዊ መሪሕነትኩም ኣብ መንጎ ቤተ-ክርስትያን ኣልባንያን ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያንን ዘሎ ርክብ፣ ፣ወንጌል ኣብ ምስባኽ ሓድሽ ዓይነት ፍረ ዘለዎ ምትሕብባር ብምድላይ ብምህናጽ፣ ነቶም ዝያዳ ሓገዝ ዘድልዮም ብምግልጋል ከምኡውን ነቲ ብሰብኣዊ ናይ ግብረ-ሰናይን ኣገልግሎታትን ኣማናዊ ዝርርብን ኣቢልና ዝፈላልየና ጕዳያት ንምፍታሕ ዝገበርናዮ ቘራጽነት ብምሕዳስ ተወሳኺ ምምሕያሽ ክግበር ልባዊ ተስፋ ኣሎኒ" ክብሉ ውን ተላበዉ።
ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንሊቀ-ጳጳሳት ጆኣን ምእንቲ ኣገልግሎቶም ኩሉ ኸም ዝጽልዩሎም ውን ኣረጋገጹሎም "ብክርስቶስ ጐይታና ድማ ብፍቕሪ ንቕበለኩም" ኣሎና ክብሉ ውን ኣመልክቱሎም።