MAP

ምምሕያሽ ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምምሕያሽ ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ   (ANSA)

ምምሕያሽ ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብንሰኪ ዘጋጠሞም ጥዕናዊ ጸገማት ረኽሲ ስርዓተ ምስትንፋስን ነድሪ ሰናቡእን ኣብ ትሕቲ ክንክን ሓካይም ድሕሪ ምጽናሕ፣ ካብ ሆስፒታል ኣጎስቲኖ ጀመሊ ሮማ ናብ ሃገረ ቫቲካን ከም እተመልሱ ዝዝከር ኮይኑ። ቀስ ብቐስ ጥዕናኦም ናይምምሕያሽ ምልክታት የርእይ ምህላዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ዕለት 28 መጋቢት ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብ ምስትንፋስን ምጥቃም መርውሓን ኰነ ኣብ ኣዘራርባኦምን እተወሰነ ምምሕያሽ የርእዩ ከም ዘለዉ ገሊጹ፣ ብሓፈሻ ኩነታት ጥዕናኦም ርጉእ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ኣቦና ዝወሃቦም ልዑል ዋሕዚ ኦክስጅን ምጥቃም ከም ዝነከዩን፣ ለይቲ እውን ዝወሃቦም ተመሳሳሊ ፍወሳ ብዘርእይዎ ዘለዉ ምምሕያሽ ጥዕና ምኽንያት ከም ዝነከየን፣ ብመሰረት ዕለት 26 መጋቢት ዝተኻየደ መርመራ ደም፣ ቅዱስነቶም ናይ ደም መለክዒታቶም ኩሉ ንቡር ምዃኑ ከም ዘረጋገጸ ብሩኒ ሓቢሩ፣ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ድማ ኣብ መንጎ ፍወሳ፣ ጸሎት፣ ዕረፍትን ገለ ናይ ስራሕ ንጥፈት ኣብ ምፍጻም ከም ዘሕልፍዎን ካብ ኩለን ኩርያ ሮማና ላዕለዎት ሓዋርያውያን ኣባይቲ ጽሕፈት ከምቲ ልሙድ ብዛዕባ ንጥፈታተን ዝሕብር ሰነዳት እውን ከም ዝበጽሖምን፣ ኣብ መንበሪኦም ኣብ ዝርከብ ቤት ጸሎት እውን መዓልታዊ ቅዳሴ ከም ዘዕርጉን ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሚያንማር ዘጋጠመ ርእደ መሬት ምስ ተሓበሮም ምእንቲ እታ ሃገርን ህዝብን እውን ከም ዝጸለዩን፣ ዕለት 28 መጋቢት ንግሆ ድማ ኣብቲ ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባ ሮበርቶ ፓዞሊኒ ብምኽንያት ዓቢይ ጾም ዘቕርብዎ ካልኣይ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ብማንዛ ከም ዝሓበሩን ሰንበት ዕለት 30 መጋቢት ፍርቂ መዓልቲ ቅዱስነቶም ዘቕርብዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ብቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ክዝርጋሕ ምዃኑ ማትዮ ብሩኒ ሓቢሩ።

29 Mar 2025, 17:02