መሪሕነት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ን38 መዓልታት ካብ ሆስፒታል
ኣባ ተወልደ ምብርህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ሓሙሽተ ዓመት ይገብር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብሰንኪ ለበዳዊ ሕማም ኮቪድ-19 መላእ ዓለም ብውሸባ ኣብ ዝተዓጽወሉ እዋን ብመብራህትታትን ደሃይ መካይን ህጹጽ ረዴትን ጥራይ ተሰንዮም ኣብቲ ባዶ ዝነበረ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንበይኖም ደዉ ኢሎም ተማህለሉ። "ኵላትና ኣብ ሓንቲ ጃልባ ኢና ዘለና" ክብሉ ውን ነቲ ዝነበርናዮ ግዜ ኣመልከቱ። ሎሚ ውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብሰንኪ ዘጓነፎም ከቢድ ነኽሲ ሥርዓተ ምስትንፋን ነድሪ ሳናቡእን ን38 መዓልታት ናብ ሆስፒታል ብምእታው ኣብ ክንክን ሓካይም ጸንሑ ። እቲ ቕልውላው ካብ ዓለምለኻዊ ለብዒ ናብ ውግእን ዳግመ ምዕጣቕን ከምኡ ውን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ድኽነትን ተለዊጡ ኣብ ዝቕጽሉ ዘሎ እዋን መልእኽቲ ቅዱስነቶም ግን ሓደ ዓይነት እዩ ዘሎ፣ ኵላትና ብሓባር ከም ዘለና ዚሕብር ድማ እዩ ።
ንቤተ-ክርስትያን ካብ ሆስፒታል ምምራሕ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሆስፒታል ኣብ ዝጸንሑሉ እዋን እውን ከይተረፈ ንቤተ ክርስትያን ኣብ ዘጋርማ ዘሎ ጸገማት ኻብ ምምራሕ ኣየቋረጹን ። ኣብ ዓራት ሕማሞም ኮይኖም ውግእ ትርጕም ኣልቦ ክም ምዃኑ ብምግላጽ ንዓለምለኻዊ ግጭታት ብጥንቃቐ ይከታተልዎ ነበሩ። ኣብ ዩክረይን እስራኤል ፍልስጥኤም ማእከላይ ምብራቕ ምያንማር ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ብህጹጹ ነቲ ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ደው ኬብሎን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ስጕምቲ ኺወስድን ብምምሕጻን ነቲ ኣብ ቃዛ ዘጋጠመ ሰብኣዊ ቅልውላው ውን ኰነንዎ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነታ ኮሪየ ደላ ሰራ እትበሃል ኣብ ኢጣልያ እትሕተም ዕለታዊት ጋዜጣ ካብ ሆስፒታል ኣብ ዝጸሓፍዋ መልእኽቶም ድማ ክሓብሩ ወይ ክበታተኑ ከም ዝኽእሉ ብምጥንቃቕ ሓያል ዝኾነ መልእኽቲ ኣመሓላለፉ። "ንዓለም ካብ ኣጽዋእር ነጻ ንምግባር መጅመርያ ኣጽዋር ቃላትና ብምርጋፍ ንኣእምሮና ካብ ኣጽዋር ናጻ ክንገብሮ ንኽእል ኢና" ብምባል ነቲ ኣብ ኣውሮጳ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይሊ ብምንቃፍን ሓድሽ ዲፕሎማሲ ከም ዘድሊ ተማሕጸኑ።
ቈጸራታት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸክሶ ኣብ ኣካላዊ ድኽመት እኳ እንተ ነበሩ ኣብ ምምሕዳር ቤተ-ክርስትያን ግን ብንጥፈት ይዓዪ ነበረ። ኣብ ሆስፒታል ኣብ ዘሕለፍዎ 38 መዓልትታት ሓደስቲ ኣቡናትን ሓውርያውያን ልኡካን ቅድስቲ መንበርን ምስ ላዕለዎት ኣሕሉቕ ቅድስቲ መንበርን ዚርከብዎም 44 ቈጸራ ኣካየዱ። ነቲ ንናይ ሃገረ ቫቲካን ውጥናት ንምድጋፍ ተባሂሉ ዝቖመ ሽማግለ ወፈያታት ቅድስቲ መንበር ኣቖሙ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ዝሰፍሐ መጻኢ መላእ ቤተክርስቲያን ንምስልሳል ድማ ነቲ 2028 ዝካየድ ኣቕላሲያዊ ጉባኤ ንሰለስተ ዓመት ምስ ዝቕጽል ምድላዋቱ ኣመልኪቶም ውን መደባት ኣውጽኡ። እዚ ስጕምቲ እዚ ሓደ ኽፋል ናይቲ ንተሓድሶ ዝገበርዎ ዝለዉ ቐጻሊ ቆራጽነትን ሓድሽ ጕዕዞ ሲኖዳውነትን ኣብ እተገብረ ዕቤት ንምቕጻል ዝዓለመ እዩ።
ቀጻሊ ህላወ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኩነታት ሕማሞም እኳ እንተ ሓለዉ ንዓለምለኻዊ ህላዌና ግና ምስ ቤተ-ክርስትያን ብምዃን ቀጻሊ መምርሒ ኮይኖም ኢዮም። ብኣካላዊ መዳይ ርሑቕ እኳ እንተ ነበሩ፣ መሪሕነቶም ግና ፈጺሙ ኣይሃሰሰን። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንበይኖም እውን እንተ ዀኑ ወትሩ ብመንፈስን ብተግባርን ከም ዘይተፈልዪና ኮይኖም ኢዮም ዝቐጸሉ።