ኩነታት ጥዕና ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ በብቝሩብ ምምሕያሽ የርኢ ኣሎ
ዜና ቫቲካን
ብመሰረት እቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ካብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ ከም ዘመልክቶ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 14 ለካቲት ኣብቲ ኣብ ከተማ ሮማ ዝርከብ ሆስፒታል ጀመሊ ዝተገብረሎም ሕክምናዊ ክንክን በብቝሩብ ምምሕያሽ ይርእዩ ኣለዉ።
ቤት ጽሕፈት ዜና ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳም ምሸት ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ ከምዚ በለ - "ኣብዘን ዳሕሮት ሒደት መዓልትታት ዘሎ ሕክምናዊ ውጽኢታት ቅዱስ ኣቦና ዝተረጋግኣ እናኾነ ይከይድ ኣሎ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ነቲ እተገብረሎም ሕክምናታትን መድሓኒናታትን ጽቡቕ ምላሽ የርእዩ ኣለዉ። ስለዚ ቀስ ብቐስ ልኡም ምምሕያሽ ይገብሩ ኣለዉ።" ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ረስኒ ኸም ዘይብሎምን እቲ ዝገብረሎም ዘሎ ሕገዛ ስርዓተ ምስትንፋስ ድማ ከም እተመሓየሸን፣ ሥርዓተ ዙረት ደሞም ድማ ጽቡቕ ከም ዘሎ ገሊጹ ።
ትማሊ ሰንበት ድማ እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዝወጸ መግለሲ ከም ዘመልክቶ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሰላማዊ ምሸት ከም ዘሕለፉን የዕሪፎም ከም ዝሓደሩን ውን ብምግላጽ ተወሳኺ ዝርዝር ሃበሬታ ሃበ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ካብቲ ዝርከቡሉ ዘለዉ ኣፓርታማ ናይ ሆስፒታል ጀመሊ ብናይ ቪድዮ መስመር ኣብ መንፈሳዊ ሱባኤ ዘመነ ጾም ኩርያ ሮማና ውን ይከታተሉ ኣለዉ። እዚ ሱባኤ እዚ ትማሊ ቀዳም ድሕሪ ቐትሪ ኣብቲ ሰባኺ ቤተ ጳጳስ ዝኾኑ ክቡር ኣባ ሮበርቶ ፓሶሊኒ ፍራንቸስካዊ ካህን ዝመርሕዎ ኣብ ኣደራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ኢዩ ዝኻየድ ዘሎ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ዝግበረሎም ዘሎ ፊዝዮተራፊ ሥርዓተ ምንቅስቓስን እስትንፋስን ውን ይቕጽሉ ኣለዉ። ኣብዚ እዋን እዚ ዕጹም ምግቢ እውን ዘጠቓልል እተኣዘዘሎም ኣመጋግባ ይስዕቡ ኣለዉ። ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ከምዚ ይብል - "ከምቲ ቀዳም ምሸት ኣብ ዝወጸ ናይ ሕክምና መግለጺ ተገሊጹ ዘሎ፣ ኵነታት ጥዕና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እተረጋግአ ኢዩ ዝመስል፣ በብቝሩብ ድማ ምምሕያሽ ይገብሩ ኣለዉ። ይኹን እምበር እቲ ሓፈሻዊ ዅነታት ጥዕናኦም ኣዝዩ እተሓላለኸ ስለ ዝዀነ፣ ሓካይም ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ብጥንቃቐ ኺምርምሩ ሕግምናዊ ግዜ የድልዮም ኣሎ።"
ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊንን ተተካኢ ጸሓፊ ሓፈሻዊ ምሕደራ ቅድስቲ መንበርን ዝኾኑ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ኤድጋር ፐና ፓራን ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያንን ዓለምን ዘሎ እተፈላለየ ዅነታትን ምስ ስራሕ እተተሓሓዘ ኻልእ ንጥፈታትን ሃበሬታታት ንምሃብ ናብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ትማሊ ሰንበት ምብጻሕ ኣካይዶም ኢዮም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ንጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ዘመሓላለፍዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ ነቶም ዚከናኸንዎም ዘለዉ ሰብ ሞያ ጥዕና ዘለዎም ሞሳ ገለጹ። ከምዚ ድማ በሉ - "ኣብዚ ሆስፒታል ንነዊሕ እዋን ኣብ ዝኣተኹሉ እዋን፣ ብፍላይ ካብቶም ካብ መዓሙቝ ልበይ ዘመስግኖም ሓካይምን ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕናን፣ ዝገብሩለይ ዘለዉ ሓልዮትን ንኣገልግሎትን ለውሃትን ተመኪረዮ ኢየ።" ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ሰባት እውን ሕማም ንኽጻወሩ እጽሊ ኣሎኹ ብምባል፣ ጐይታ ኣብቶም ዝከናኸንዎም ከም ዘሎ ድማ ኣፍልጦ ሃቡ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ሕማሞም እናሓወዩ ኣብ ዝኸዱሉ ዘለዉ እቲ ናይ ቅድስቲ ምንበር ቤት ጽሕፈተ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ንተገብረሎም ሕክምናዊ ምትዕርራያት ንምምልካት ተወሳኺ መግለጺ ንምሓብ ፍሉይ ጋዜጣዊ መግለጺ ሎሚ ሰኑይ ምሸት ክቐርብ ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ።