MAP

ITALY-VATICAN-POPE-HEALTH-RELIGION ITALY-VATICAN-POPE-HEALTH-RELIGION  (AFP or licensors)

ኩነታት ጥዕና ር. ሊ. ጳ. ብዝግበረሎም ዘሎ ሕክምና ኣብ ዝተረጋግአ ኩነታት ይርከብ

ኩነታት ጥዕና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስተን ዝሓለፋ ሒደት መዓልትታት ክነጻጸር እንከሎ ኣብ ርጉዕ ኩነታ ኢዩ ዘሎ፣ ትማሊ ሓሙስ ምሸት ናይ ቅድስቲ መነብር ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ከም ዘመልክቶ ዝኾነ ተወሳኺ ሕጽረት ምስትንፋስ ኣየጋጠሞምን።

ዜና ቫቲካን

ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንብር እቲ ዝስዕብ ሕክማናዊ መግለጺ ኩነታት ጥዕና ቅዱስ ኣቦና ጽባሕ ቀዳም ከም ዝመሓላለፍ ኣፍሊጡ። ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብሰንኪ ዘጋጠሞም ረኽሲ ሥርዓተ ምስትንፋስን ነድሪ ደናቡእን ኣብቲ ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ኣጐስቲኖ ጀመሊ ኣብ ትሕቲ ሕክምናዊ ክንክን ኢዮም ዘለዉ።

"ሕክምናዊ ዅነታት ቅዱስ ኣቦና ምስተን ኣቐዲመን ዝነበራ መዓልትታት ክወዳደር ከሎ ኣብ ርጉእ ኩነት ኢዩ ዝርከብ ዘሎ።

ሎሚ ምሉእ መዓልቲ ዝኾነ ናይ ሕጽረት ምስትንፋስ ጸጋምት ኣይጋጠሞምን። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እቲ ንስርዓተ ምስትንፋስን ንስርዓተ ምንቅስቃስ ዝሕግዝ ዝግብረሎም ዘሎ ፊዝዮተራፒ ጠቓሚ ምጽኢት ይገብረሎም ኣሎ። እቲ ውጽኢት ናይ ሄሞዳይናሚክን ናይ ደምን መርመራታት ድማ ከምቲ ዘለዎ ዝኾነ ለውጥታት ኣየርኣየን ከምቲ ዘለዎ ኢዩ ዘሎ ።

ረስኒ የብሎምን። ይኹን እምበር ሕክምናዊ ግምታቶም ድማ ዝተዓቀበ ኢዩ።

ናይ ሕክምና ዅነታቶም ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ዝቕጽል ሕክምናዊ መግለሲ ኩነታት ጥዕና ቅድሱነቶም ንጽባሕ ቀዳም ክመሓላለፍ ኢዩ።”

"ቅዱስነቶም ትማሊ ሓሙስ ንግሆ ዀነ ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ገለ ገለ ስራሓትን ንጥፈታትን ድሕሪ ምክፋል፣ ንእተወሰነ እዋን ዕረፍን ጸሎትን ገብሩ። ቅድሚ ምሳሕ ድማ ቅዱስ ቍርባን ተቐበሉ።"

ሎሚ ዓርቢ ዕለት 7 መጋቢት ብዛዕባ ኩነታት ጥዕና ቅዱስነቶም ዝኾነ ሕክምናዊ ወግዓዊ መግለጺ እንኳ እንተ ዘይሃለወ፣ ናይ ቅድስቲ መንበት ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማተምን ብዛዕባ ጥዕና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እተወሰነ ተወሳኺ ሓበሬታ ከመሓላልፍ ኢዩ።

07 Mar 2025, 13:31