MAP

ብዛዕባ ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መግለጺ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ፍክሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ብዛዕባ ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መግለጺ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ፍክሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት  (ANSA)

ብዛዕባ ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መግለጺ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ፍክሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 5 መጋቢት ምሸት ሓድሽ ናይ ስርዓት ምስትንፋስ ጸገም ከም ዘየጋጠሞምን ሕክምናዊ ኩነታቶም ርጉእ ምንባሩን ንጋዜጠይናታት መግለጺ ዝሃበ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዋና ሓላፊ ብሩኒ ሓቢሮም፡ ኣማስይኡ ቅዱሰንቶም ኣብ ቓዛ ናብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ስድራ ቤት ቆሞስ ብስልኪ ከም እተራኸቡን ብናይ ዕለቱ መራሓ ፍጻሜታቶም መሰረት እውን ናይ ስራሕ ንጥፈታት ከም ዘካየዱ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ማትዮ ብሩኒ ዕለት 5 መጋቢት ኣማስይኡ ብዛዕባ ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም ወትሩ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ "ኩነታት ጥዕና ቅዱስነቶም ርጉእ ምንባሩን ዝኾነ ሕጽረት ስርዓተ ምስትንፋስ እውን ከም ዘየጋጠሞም ኣመላኺቱ፣ ፍወሳ ኦክስጅን ከምኡ እውን ፍወሳ ርውሓት እውን ከም እተገበርሎም ኣፍሊጡ።

"ዕለት 5 መጋቢት ላቲናዊት ቤተ ክርስቲያን “ረቡዕ ሓሙኹሽቲ” ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ ስርዓተ ሊጡርጊያ መኸፈቲ ዓቢይ ጾም ምኽንያት ኣብቲ ኣብ ዝርከብሉ ቤት ሕክምና ዓስራይ ደርቢ ኣብ ዘሎ ቤተ ጸሎት ከምዝሓበሩ ብሩኒ ኣመላኺቱ፣ ቅዱስ ኣቦና ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቓዛ ምስ ናይ ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ስድራ ቤት ቆሞስ ኣባ ጋብሪኤል ሮማነሊ ብስልኪ ከም እተራኸቡን፣ ድሕሪ ቀትሪ ሓጺር ዕረፍቲ ገይሮም፣ ብዝነበሮም መርሓ ፍጻሜታት መሰረት ድማ ንጥፈታት ስራሕ ከም ዘካየዱን፣ ቅዱስ ኣቦና ለይቲ ጽቡቕ ከም ዝደቀሱ ኣፍሊጡ።

06 Mar 2025, 16:27