MAP

2025.02.12 Udienza Generale

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፦ ከም ማርያምን ዮሴፍን ንጐይታ ብተስፋ ንድለዮ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ንሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ተምህርተ ክርስቶስ ዘዳለውዎ ጽሑፍ፣ ከምቲ ማርያምን ዮሴፍን፣ ነቲ ወዲ 12 ዓመት ወዶም ኢየሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ክደልይዎ ምስ ተበገሱ ዝገበርዎ፣ ኵሎም ምእመናን ውን ንጐይታ ኺደልይዎ ጻውዒት ኣቕረቡ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ በዕለት 5 መጋቢት ክገብርዎ ዝመደቡ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ናይ ዘዳለውዎ ጽሑፍ ኣርእስቲ "ከምቶም ብተስፋ ዝተመልኡ ማርያምን ዮሴፍን ብዓቕምና ዘይሕሎ ጐይታ ንድለዮ" ዝብል ኢዩ ዝነበረ። እቲ መደብ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ወላ እኳ እንተ ተሰረዘ፣ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ዘሰናደውዎ ትምህርተ ክርስቶስ ተምሓቲሙ ብቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ክዝርጋሕ መረጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ብተኸታታሊ ዝገብረዎ ዘለዉ "ኢየሱስ ክርስቶስ ተስፋና ኢዩ" ዘርእስስቱ ትምህርትታቶም ብምቕጻል፣ ብፍላይ ኣብቲ ኢየሱስ ወዲ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ከሎ ንወለዱ ኸይነገሮም ኣብ ቤተ መቕደስ ዝተረፈሉ ኣጋጣሚ ብምትኳር፣ ኣብ ህጻንነት ኢየሱስ ክርስቶስ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ለገሱ።

ማርያምን ዮሴፍን ንኢየሱስ ክርስቶስ ብጭንቀት ተዋሒቶም ንሰለስተ መዓልቲ ደለይዎ ኣብ መወዳእታ ድማ ረኸብዎ። ቅዱስ ኣቦና እዚ ዛንታ እዚ ኣብ መንጎ ማርያምን ኢየሱስን እተገብረ ኣዝዩ መሳጢ ዝርርብ ከቕርበልና ውን ንረኽቦ፣ ብዛዕባ ጕዕዞ ማርያም ንኸነስተንትን ድማ ይሕግዘና ።

ማርያም ከም ነጋዲት ተስፋ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጕዕዞ ማርያም ቐሊል ከም ዘይነበረ ብምጕላሕ፣ ማርያም ብዛዕባ ምስጢር ወዳ ዘለዋ መረዳእታ ብቐጻሊ እናዓበየ ዚኸደሉ ኣብ "መንፈሳዊ ጕዕዞኣ" ኸም ዝነበረ ገለጹ።

ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣዲና ኣብ ምሉእ ህይወት ጐይታ ዝገበረቶ እተፈላለየ ጕዕዞኣ ብምዝካር፣ ኣብ ብምሉኡ እዚ ጕዕዞ እዚ ከም "ናይ ተስፋ ነጋዲት" ኰይና ከም ዝቐጸለት ኣስተንተኑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ናይ መጀመርታ ወደ መዝሙሩ ከም ምዃና ውን ኣጕልሑ። ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ ንሳ ከም ዝሓጸነቶን ንኽዓቢ ከም ዝሓገዘቶን ከምኡውን ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ብቓል ኣምላኽ ገዛእ ርእሳ ክትቅረጽ ብምፍቃድ ደድሕሪኡ ከም ዝሰዓበት ገለጹ ።

ብድሕርዚ ቅዱስ ኣቦና ካብ ጽሑፋት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት መበል 16 ብምጥቃስ "ማርያም ኣብ ቤታ ምሉእ ብምሉእ ምስ ቃል ኣምላኽ ትነብር ከም ዝነበረት ንርኢ. . . ምሉእ ብምሉእ ድማ ብቃል ኣምላኽ መሊኣ ነበረ" ቢሎም ብምስንታን "ንሳ ኣደ እቲ ስጋ ዝለበሰ ቃል ክትከውን ከኣለት" በሉ።

ይኹን እምበር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ዝገለጽዎ እዚ ምስ ቃል ኣምላኽ ዝነበራ ፍሉይ ርክብ ካብቲ "ከም ወደ መዝሙር" መጠን እትገብሮ ዝነበራ ቃልሲ ኣየናገፋን።

ድንግል ማርያም ወዳ ንኸይጠፍእ ዝነበራ ፍርሂ

ኣብቲ ዓመታዊ ናብ የሩሳሌም ዚግበር ንግደት ወዲ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ከሎ ንኢየሱስ ምስ ምስ ሰኣነቶ ይብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ማርያም ኣዝያ ስለ ዝፈርሀት፣ በዚ ኸምዚ ድማ ምስ ረኸበቶ ድማ ኣብ ክንዲ ገዛእ ርእሳን ንዮሴፍን ከም “ኣፈኛ” ኮይና ድማ ወዳ ዝተሰምዖም ኩነት ክትገልጸሉ ተረኽበት።

ቅዱስነቶም ከም ዝገለጽዎ "ማርያምን ዮሴፍን ነቲ ውሉዶም ዝሰኣኑ ወለዲ ዘሕለፍዎ ስቓይ ተሞኪቶም ኢዮም" ብምባል ውን ኣመልከቱ። ኣብ መጀመርያ ኢየሱስ ምስ ኣዝማዶም ኣብቲ ካብ ንግደት ዝምለሱ ዝነበሩ ቓፍላይ ከም ዘሎ ብምእማን ከይተሻቐሉ ጕዕዞኦም ቀጸሉ። እንተዀነ ግን ምሉእ መዓልቲ ስለዘይረኣይዎ ሻቕሎት ኣሕደረሎም ንድሕሪት ብምምላስ ድማ ብተስፋ ቍርጸት ክደልይዎ ጀመሩ።

ኣስዒቦም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዚ በሉ - "ናብ ቤተ መቕደስ ምስ ተመልሱ እቲ ኽሳዕ ቀረባ ግዜ ዕቝባ ዘድልዮ ህጻን ገይሮም ዝረኣይዎ ዝነበሩ፣ ብሃንደበት ከም ዝበሰለ ፈለጡ። ምስ መምህራን ሕጊ ኣብ ዝግበር ክትዕን፣ ብዛዕባ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ኣብ ዝግበር ምይይጥ ክካፈል ከም ዝኽእል ውን ኣስተብሃሉ።”

ዘደንቕ ምርዳእ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዕብ ኣቢሎም ኢየሱስ ኣዲኡ ምስ ተቛየቐቶ "ኣብ ሰራሕ ኣቦኡ" ከም ዝንበረ ብምግላጽ ብሓጺሩ ከረድኦም ፈተነ። ይኹን እምበር ይብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ማርያምን ዮሴፍን ኣይተረድእዎን ። "ምስጢር ናይቲ ህጻን ዝኾነ ኣምላኽ ካብ ርድኢቶም ዝዓቢ ኢዩ ዝነበረ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም "ወለዱ ነቲ ብሉጽ ወዶም ኣብ ትሕቲ ኣኽናፍ ፍቕሮም ኬዕቍብዎ ደለዩ፣” ድሕቲ ምባል፣ ወሲኾም ድማ ቅዱስነቶም ኢየሱስ ግና "ኣብ ክንዳኡስ ነቲ ኸም ወዲ ኣቦ መጠን ዝነበሮ ተልእኾ ኺፍጽሞ እዩ ዚደሊ ዝነበረ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ንብኡ ከገልግልን ኣብ ቃሉ ኺጥሕልን እዩ ዚደሊ ዝነበረ" በሉ።

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ ኹሉ ኣብ ግምት ብምእታው ምእመናን ልክዕ ከም ማርያምን ዮሴፍን ንጐይታ ኺደልይዎ ብተስፋ ድማ ኪመልኡ ተማሕጸንዎም።

06 Mar 2025, 11:33