ቅዱስ ኣቦና እንቋዕ ናብ ቤትኩም ብደሓን ተመለስኩም!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 14 ለካቲት ኣትሒዞም ኣብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ከም ዝጸንሑን ኣብቲ ቤት ሕክምና 38 መዓልታት ከም ዘሕለፉ ኣዘኻኺሮም፣ እዘን ሰሙናት ንሓደ ወዲ 88 ዓመት ጥዕናዊ ጸገማት ረኽሲ ስርዓተ ምስትንፋስን ነድሪ ሰናቡእን ከጋጥም ብሓቂ በዳሂ ኩነት እዩ። በቢ ዕለቱ ዝወሃብ ዝነበረ ጸብጻባት ሕክምና፣ ንኽብደት ኩነታት ጥዕናኦም፣ ነቲ ዝጻወርዎ ዝነበረ ቅልውላው ጥዕናን ስቓይን፡ ወይ ነቲ ዝተሓላለኸ ስነ ሕክምናዊ ጉዳይ እውን ዘነኣእስ ከም ዘይነበረን ቶርኒየሊ ኣነጺሮም፣ እንተኾነ ግን ኣብዚ ኩሉ ግዜ ንሕውየቶም ካብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለም ብዝውሕ ዝነበረ ጸሎት ተኸቢቦም ከም ዝነበሩን፣ ውልቃውን ማሕበራውን ጸሎት፣ ጸሎተ ቅዳሴን ምህለላን ጸሎት መቑጸርያን ከም ዝቐረበን፣ ካብ ካቶሊካውያንን ካብ ካልኦት ኣቢያተ ክርስትያንን ጥራይ ዘይኮነስ፣ ካብ ካልኦት ቤት እምነታት ዝወሓዘ ጸሎትን ኢኣማንያን እውን ንሕይወት ቅዱስነቶም ዘመሓላለፍዎ ሓሳብን ሰናይ ትምኒትን የዘኻኽሩ።
ኣብዚ ነዊሕ መዓልታት መከራ ንጳጳስ ሮማ ብመንፈስ ኣሰንናዮም። ካብ ዕለት 14 ለካቲት ኣትሒዞም ኣብ ቤት ሕክምና ካብ ዝኣትዉ፣ ሰንበት ዕለት 16 መጋቢት ምሸት፣ ንመጀመርታ ግዜ ዳግማይ ከም ዝራእናዮም ቶርኒየሉ ገሊጾም - ዋላ’ኳ እቲ ሽዑ ዝተመሓላለፈ ስእሊ ቅዱስነቶም ምሉእ ገጾም ዘርኢ ፊት ንፍቲ ዝተሳእልዎ ኣይኹን፣ ኣብቲ ንሕክምና ዝርከብሉ ዝነበረ ዓስራይ ደርቢ ቤት ሕክምና ጀመሊ ኣብ ዘሎ ቤተ ጸሎት ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዝሕበሩን እናጸለዩ እንከለዉ ዘርእይ እዩ።
ድሕሪ ናይ ሰሙናት ሻቕሎት ግን ከኣ ንፍቓድ እቲ ሕይወት ዝህበናን ኣብ ዝኾነ ህሞት ናብ ገዛእ ርእሱ ክጽውዓና ዝኽእልን ኣምላኽ ብምትእምማን ከም ፍቓድካ ምባል እዩ፣ ሎሚ ኣብታ ናብ ሃገረ ቫቲካን ዝተመልሱላ ስንበት ዕለት 23 መጋቢት ዳግማይ ርኢናዮም፣ እንደገና ቡራኬኦም ተቐቢልናን።
ፍራንቸስኮ ካብታ ንሕክምና ካብ ዝነበሩላ ክፍሎም፣ ነፍሲ ወከፍ ህሞት ህይወት ክቡር ምዃኑን፡ ኣብ ዝኾነ እዋን፣ ካባና ክሕተት ከም ዝኽእልን ኣዘኻኺሮምና እዮም። መከራን ድኻምን ንወንጌላዊ ምስክርነት ዕድላት ክኸውን ከም ዝኽእል፣ ዝተሰብአን፣ ምሳና ዝተሳቐየን፣ ኣብ መስቀል ኵለንተናኡ ዝተቐንጠጠን ኣምላኽ ምስክር ክኸውን ከም ዝኽእል ቅዱስነቶም ኣርእዮምና እዮም።
ካብቲ ንሕክምና ካብ ዝርከብሉ ቤት ሕክምና ጀመሊ ዝተኣንገዱላ ክፍሊ ኮይኖም እውን ደጊሞም ኲናት ዝያዳ ዕሽነት ምዃኑ ስለ ዘዘኻኸሩና እውን ነመስግኖም፣ ንዓለም ሓድሽ ኣጽዋር ሞት ካብ ምዕጣቕ ዕጥቅና ምፍታሕ ከምዘድልየና የዘኻኽሩና፤ ነቲ ሎሚ ኣዝዩ ተነቃፊ ዝዀነ ሰላም ክርከብ ስለ ዝጸለዩን ስቓዮም ምእንቲ ሰላም ስለ ዘወፈዩ ነመስግኖም፣
እንቋዕ ናብ ቤትኩም ብሰላም ተመለስኩም ቅዱስ ኣቦና!
እንክብሉ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ይዛዝሙ።
(Andrea Tornielli)