MAP

2025.02.27 DISEGNI BAMBINI OSPEDALE GEMELLI 2025.02.27 DISEGNI BAMBINI OSPEDALE GEMELLI 

ር. ሊ. ጳ. ኣብ ርጉእ ኵነታት ይርከቡ፦ ሓድሽ ጸገማት ሥርዓተ ምስትንፋስ ውን የብሎምን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ርጉእ ኵነታት ጥዕና ኢዮም ዘለዉ፣ ምስቲ ዝግበረሎም ዘሎ መካኒካዊ ሕገዛ መስተንፈሲ ተዛኒቁ ኸኣ ንነዊሕ እዋን ተወሳኺ ልዑል መጠን ዋሕዚ ኦክስጅን ዘለዎ ሕገዛ ይግበረሎም ኣሎ። ባዕሎም ይምገቡ ኢዮም ዘለዉ፣ ኣብ ሥርዓተ ምስትንፋሶም ዝሕግዞም ፊዝዮተራፒ ውን ይቕጸለሎም ኣሎ። ኩነታት ትዕናኦም ድማ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኢዩ ዘሎ።

ዜና ቫቲካን

ትማሊቀዳም ምሸት ካብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዝመጸ መግለጺ ከም ዘመልክቶ፣ ብዛዕባ ኩነታት ጥዕና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከምዚ ዝስዕብ ዝብል መግለጺ ሃበ፦

"ቅዱስ ኣቦና ኣብ ርጉእ ሕክምናዊ ኵነታት ኢዮም ዝርከቡ ዘለዉ።

ምስቲ ዝግበረሎም ዘሎ መካኒካዊ ሕገዛ ሰርዓተ ምስትንፋስ ተዛኒቁ ድማ ብዙሕ መጠን ዋሕዚ ኦክስጅን ዘለዎ ሕገዛ እስትንፋስ ይወሃቦም ኣሎ፣ በዚ ከምዚ ድማ እቲ ናይ ኣየር ምልውዋጥ ስርዓተ ምስትንፋሶም ጽቡቕ ምቅብባል ይገብር ኢዩ ዘሎ።

ቅዱስነቶም ዝኾነ ምልክታት ረስኒ የብሎምን፣ ልዑል ኣቐን ቍጽሪ ጸዓዱ ዋህዮታት ደም እውን የብሉን።

እቲ ዝተገብረሎም ናይ ሄሞዳይናሚክ መርመራ ድማ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከም ዘለዉ ኢዩ ዘመልክት ዘሎ፣ ባዕሎም ምምጋብ ውን ይቕጽሉ ኣለዉ፣ ኣብቲ ዝገብረሎም ዘሎ ፊዚዮተራፒ ናይ ሥርዓተ ምስትንፋስ ድማ ብንጥፈት ይተሓባበሩ ኣለዉ። ተወሳኺ ሓድሽ ጸገማት ናይ ብሮንኮስፓዝም ምልክታት ድማ ኣየርኣዩን።

ቅዱስ ኣቦና ወትሩ ንቑሕን ኣተኵሮኦም ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ኢዩ ዘሎ። ቀዳም ድሕሪ ቐትሪ ቅዱስ ቍርባን ተቐቢሎም ዝተረፈ ግዜኦም ንጸሎት ወፍዮም ኢዮም ዝወዓሉ። ኩነታት ጥዕናኦም ድማ ኣብ ትሕቲ ክትትል ሓካይም ኢዩ ዘሎ።"

ኣብ ከምዚ ኩነታት እኳ እንተ ሃለዉ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ተዋዛያይ እዮም ዘለዉ። ትማሊ ቀዳም ኣብቲ ኣብ ጥቓ ናይ ሆስፒታል ክፍሎም ዝረከብ ቤት ጸሎት በጺሖም ንኣስታት ዕስራ ደቒቕ ጸልዮም።

ሎሚ ሰንበት ንግሆ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ድማ፦  ቅዱስ ኣቦና ጽቡቕ የዕሪፎም ከም ዝሓደሩ ብምምልካት፣ "ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቁርሶም ከም እተመገቡን፣ ቡን ድሕሪ ሰትዮም ዕለታዊ ጋዜጣታት ከም ዘንበቡን” ኣመልኪቱ።

ኣብ ናይ ድሕሪ ቀትሪ ክፍለ ግዜ ድሕሪ ሰዓት 12 ኣመሓዳሪ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ማቴዮ ብሩኒ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ክበጽሕዎም ዝመጹ ንዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ንብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊንን ንሓዲስ መተካኢ  ኣመሓዳሪ ሓፈሻዊ ጉዳያት ቅድስቲ መንበር ንብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኤድጋር ፔንያ ፓራን ከም ዝተቐበሉን ኣመልኪቱ።

02 Mar 2025, 16:53