ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንብራዚላውያን ካቶሊካውያን፡ ተፈጥሮ ካብቲ ስስዐ ዝመልኦ ምዝመዛና ከዕርፍ ንፍቀ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ን61 ዓመታት ሃገራዊ ጉባኤ ጳጳሳት ብራዚል፣ በብዓመቱ ኣብ ግዜ ዓቢይ ጾም ኣብ ሓደ ፍሉይ ኣርእስቲ ዘተኮረ፣ ወፍሪ ሕውነት ዝብል ተበግሶ ከም ዘሳልጥ ዝዝከር ኮይኑ፣ ናይ ሎሚ ዓመት ጎስጓስ “ሕውነትን ውሁድ ስነ ምህዳርን” ብዝብል ቅዉም ሓሳብ ዝምራሕ ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ እዚ ናይ ለምዘበን መርሕ ቃል፣ ምስቲ ካብ 2023 ዓ.ም. ኣትሒዙ ዝቕጽል ዘሎ፡ “ውሁድ ኵለንተናዊ ምልዋጥ፡ ኣውያት ድኻታትን ኣውያት ምድርን ምስማዕ” ዝብል መስርሕ ዘተባብዕ ምዃኑ የመላኽት።
ንዓሰርተ ዓመት ዝቕጽል ዘሎ ጎስጓስ ብዛዕባ ምህዳር
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 5 መጋቢት ኣብ ምጅማር ዓቢይ ጾም - ናብቲ ብናይ ብራዚል ጉባኤ ጳጳሳት በቢ ዓመቱ ናብ ዝዳሎ ወፍሪ ሕውነት፣ ምስ ማሕበረሰብ ካቶሊክ ብራዚል ዘለዎም ቅርበት ዝገልጽ ኣብ ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ, ንጳጳሳት ብራዚል ዘተባብዕዎ ወፍሪ ሕውነት ይንእዱ።
እዚ መደብ ኣብቲ ቅዱስ ኣቦና Laudato Sì - ስቡሕ ኣንተ ብዝብል እርእስቲ ዝደረዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ዝተመርኮሰ መንገዲ ምልዋጥ ዘቃልሕ ኮይኑ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዓቢይ ጾም ዝካየድ ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፣ ነቲ ቅዱስነቶም ኣብታ Laudate Deum - ሰብሕዎ ለእግዚኣብሔር ብዝብል እርእስቲ ምስ ዝለገስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዝተኣሳሰረ እውን ብምዃኑ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ብምዝኽኻር፣ ከምቲ ኣብ ስቡሕ ኣንተ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ዝበለዎ፡ “ቅልውላው ምህዳር ንዓሚቝ ውሽጣዊ ምልዋጥ ጻውዒት እዩ” (Laudato Si - ስቡሕ ኣንተ፣ ፍቕዲ 217) ቢሎም፣ እቲ ናይ ብራዚል ጳጳሳት መደብ ነዚ ንምጉላሕ ዝዓለመ ምዃኑ ከም ዘዘኻኸሩ ኣፍሊጡ።
ንቃላት ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብምዝካር፡ “ነቲ ንደቂ ሰብ ዝያዳ ተሃዋሲ ዝገብሮ ‘ምህዳራዊ ምልዋጥ’ ምትብባዕን ምድጋፍን ኣድላዪ እዩ” ብምባል፣ እቲ መበል 61 ምዕራፍ ጎስጓስ ሕውነት ንመሬት ናይ ምሕብሓብ ተልእኾ ዘጉልሕ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ስጉምቲ ምውሳድ
ኣብታ ኣብ ምድሪ ብስነ ህይወት መዳይ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኣትክልትን እንስሳታትን ዝነብሩላ ሃገረ ብራዚል፡ ምክልኻል ከባቢ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣብዚ ጽድያ፡ እታ ሃገር ኣብ ማእከል ኣማዞን ኣብ ዝርከብ ቤለም ዶ ፓራ፣ ዋዕላ ብዛዕባ ምዝባዕ ከባቢያዊ ኣየር ሕቡራት ሃገራት (COP30) ከተአንግድ ምዃና እውን ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ብምዝኽካር፣ እቲ ጎስጓስ "ህዝብን ማሕበረሰባትን እዛ ፍቕርቲ ሃገር ብጭቡጥ ተወፋይነት ዝተዋደደ ምህዳር ንምድልዳል" ዝድርኽ ክኸው ምንዮቶም ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።