ር. ሊ. ጳ. ነቲ ኣብ ሱዳን ዝወረደ 'ዜስካሕክሕ ሰብኣዊ ዕንወት' ይጣበቑ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ኢዮቤል ዓመተ ተስፋ 2025 ኣብ ቫቲካን ይቕጽል ብምህላዉ፣ ትማሊ ሰንብት ዕለት 30 መጋቢት እቲ ናይ ቅድስቲ መንበት ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ዘሰናደውዎ ኣስተንትኖ ኣመሓላሊፉ።
ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ንዅሎም እሙናን ነዚ ዘመነ ዓቢይ ጾም እዚ ኸም እዋን ሕውየትን ምሕረትን ገይሮም ክነብርዎ ንምትብባዕ ካብቲ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ዝተነበ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል ተበጊሶም ኣስተንትኖኦም ኣካፈሉ ።
"ኣነ ውን ኣብ መንፈሰይን ኣብ ኣካላተይን ከማኡ ዝከውን ዘሎ ኮይኑ ኢዩ ዝስምዓኒ ዘሎ" በሉ።
ኣስዒቦም ድማ ቅዱስ ኣቦና "ስለዚ ንዅሎም እቶም ብቓልን ብፍልጠትን ብለውሃትን ብጸሎትን ንብጻዮም ናይ ምሕዋይ መሳርሒ ዝዀኑ ዘለዉ ብመልክዕ መድሓኒ ልባዊ ምስጋና ኣቕርበሎም ኣለኹ" በሉ።
"ድኽመትን ሕማምን ንኵላትና ዜመሳስለና ተመክሮታት እዩ፣ ንሕና ግና በቲ ክርስቶስ ዝሃበና ውህበት ምድሓን ኣሕዋት ኢና" ውን በሉ።
ምሕጽንታ ሰላም ብዛዕባ ዞባ ግጭት ኮይና ዘላ ምያንማር
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ነቶም እምእመናን ምስኦም ሓቢሮም ምእንቲ እቶም ውግእን ግጭታትን ዝበዝሖ ኸባቢታት ምእንቲ ሰላም ክጽልዩ ዓደምዎም።
ብፍላይ ኣብተን ብውግእ ዝዓንዋ ዘለዋ ሃገራት ዩክረይን ፍልስጥኤም እስራኤል ሊባኖስ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ከምኡውን ምያንማር ሰላም ክሰፍን ጸልዮም።
ዝሓልፈ ዓርቢ ኣብ ዞባ ማንዳለይ 7.7 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብምኽሳቱ፣ ኣብታ ሃገር ልዕሊ 1,700 ሰባት ብዙሓት ካልኦት ድማ ኣብ ታይላንድ ብምሟቶምን፣ ካልኦት በማእት ዝቝጸሩ ሰባት ድማ ደሃዮም ከም ዝጠፍአ ዝፍለጥ ኢዩ።
ስቓይ ናይቶም 'ፍቑራት ሕዝቢ ደቡብ ሱዳን' ንምቅላል ዝቐረበ ምሕጽንታ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ዅነታት "ብዓብዪ ሻቕሎት" ይስዕብዎ ኸም ዘልዉ ውን ገለጹ።
ወሲኾም ድማ "ንዅሎም መራሕቲ፣ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ውጥረት ንምንካይ ዚከኣሎም ክገብሩ ልባዊ ምሕጽንታ አቕርበሎም ኣሎኹ " በሉ ፣ ኣስዕብ ኣቢሉ እውን " ፍልልያትና ኣወጊድና ብትብዓትን ብሓላፍነትን ኣብ መኣዲ ዘተ ኾፍ ኢልና ሃናጺ ምይይጥ ክንገብር ኣሎና " ክብሉ ውን ተማሕጸኑ ።
ብተወሳኺ ድማ "በዚ መገዲ እዚ ጥራይ ኢዩ ስቓይ ናይቶም ፍቑራት ሕዝቢ ደቡብ ሱዳን ክቃለል ዝኽእል ከምኡውን መጻኢ ሰላምን ርግኣትን ክህነጽ ዝኽእል" በሉ።
ኣብ ሱዳን 'ዘላቂ ፍታሕ' ንምርካብ ዘዕረግዎ ጸሎት
ኣብ ርእሲ እዚውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ እቲ ኣብ ሱዳን ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ብኸመይ "ንጹሃት ሰባት ግዳያት ከም ዝገብሮም ዘሎ” ብምጥባቕ ብህጽንታኦም ቀጸሉ።
ኣብዚ መዳይ እዚ ውን - "ነቶም ኣብቲ ግጭት ዝሳትፉ ዘለዉ ጕጅለታት፣ ንህይወት ሰላማውያን ሰባት ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ንምሕላው ቀዳምነት ክህቡ እምሕጸኖም ኣሎኹ፣ ነዚ ቕልውላው እዚ ነባሪ ፍታሕ ንምርካብ ዘኽእል ሓድሽ መኣዲ ዘተ ብእተኻእለ መጠን ቀልጢፉ ክጅምር ተስፋ እገብር" ክብሉ ውን ተማሕጸኑ።
"ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ነቲ ዘስካሕክሕ ሰብኣዊ ዕንወት ንምፍታሕ ዝገብርዎ ጻዕርታት ክውስኹሉ ኣለዎም" ብምባል ውን ተማሕጸኑ ።
ኣብ መንጎ ታጂኪስታንን ኪርጊዝስታንን ዝተረኽበ ብስራት
እንተዀነ ግን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኣብ መንጎ ታጂኪስታንን ኪርጊዝስታንን ዘሎ ወጥርታት ዶብ ንምፍታሕ እተገብረ ስምምዕ ብፍሉይ ብምጥቃስ ሰለዚ "ኣወንታዊ ፍጻመታት" ንኣምላኽ ከም ዘመስግኑ ውን ገለጹ።
"ክልቲአን ሃገራት በዚ መገዲ እዚ ክቕጽላ ውን አተባብዐን ኣሎኹ" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ትማሊ ሰንበት ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ "ማርያም ኣደ ምሕረት ንሰብኣዊ ስድራቤት ብሰላም ንኽንዓርቕ ትሓግዘና" ክብሉ ብምጽላይ ድማ ኣስተንትኖኦም ዛዘሙ።