MAP

ር,ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ጥዕናኦም ርጉእ ምዃኑን፣ መበል 12 መዓልቲ ዝኽሪ ሕርየቶም ኣብ ቤት ሕክምና የብዕሉ ር,ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ጥዕናኦም ርጉእ ምዃኑን፣ መበል 12 መዓልቲ ዝኽሪ ሕርየቶም ኣብ ቤት ሕክምና የብዕሉ  (AFP or licensors)

ር,ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ጥዕናኦም ርጉእ ምዃኑን፣ መበል 12 መዓልቲ ዝኽሪ ሕርየቶም ኣብ ቤት ሕክምና የብዕሉ

ሮማ ኣብ ዝርከብ ጀመሊ ዓቢይ ቤት ሕክምና ዝኣተዉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 13 መጋቢት ኣብ መንበር ቅዱስ ጴጥሮስ ምኽንያት፣ እቶም ብቐረባ ዝከታተልዎም ዘለዉ ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ሓኻይምን ብዝለገሱሎም ምቁር ህብስቲን ሽምዓ ብምላዕን ሕጽር ብዝበለ ህሞት ከም ዝጸምበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ኣፍሊጡ።

ዜና ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ከምቲ ልምዱ ንጋዜጠይናታት ብዛዕባ ኣብ ሕክምንና ዝርከቡ ቅዱስነቶም ኣብ ዝህብዎ መግለጺ፡ ዕለት 13 መጋቢት ምሸት ከምኡ እውን ዕለት 14 መጋቢት ንግሆ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ ቅዱስነቶም ርጉዕ ለይቲ ከም ዘሕለፉን ዝወሃቦም ዘሎ ፍወሳታት ይቕጽል ምህላዉን ቀትሪ ፍወሳ ልዑል ዋሕዚ ኦክስጅን ከምኡ እውን ለይቲ ቅልል ዝበለ ብመርውሓ ዝተሰነየ ሓገዝ ስርዓተ ምስትንፋስ ከም እተገበረሎም ኣፍሊጡ፣ ድሕሪ ቀትሪ ር.ሊ.ጳ. ጳጳሳት ካብቲ ዝርከብሉ ቤት ሕክምና ኮይኖም ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ብሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባ ሮበርቶ ፓዞሊኒ ብዘቕርብዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ተመሪሑ፣ ናይ ኩርያ ሮማና ላዕለዎት ሓዋርያዋውያን ኣባይቲ ጽሕፈት ላዕለዎት ሓለፍቲ ዘሳተፈ ሱባኤ ዓቢይ ጾም 2025 ዓ.ም. ብማንዛ - ክሱት ናይ ምስማዐ ርእየት ኣገባብ ኣቢሎም ከም እተሳተፉ ብሩኒ ሓቢሮም።

14 Mar 2025, 15:55