መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ንመዓልቲ ጸዋዕተ፦ ተልእኾና ምልክት ህላወ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ካሎት ንምዃን እዩ
ኣባ ተወልደ ምብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ካብቲ ኣብ ከተማ ሮሜ ሆስፒታል ጀመሊ ኮይኖም፣ ነቲ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ብዕለት 11 ግንቦት ተዘኪሩ ዝውዕል ሻድሸይ ዓመት መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ጸዋዕታ ኣመልኪቶም መልእኽቲ ኣመሓላለፉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብታ "ነጋድያን ተስፋ፣ ናይ ሕይወት ውህበት" ዘርእስታ መልእኽቶም፣ ኵሉ ጸዋዕታ ማለት ክህነታዊ ህይወት ይኹን ወይ ኪዳናዊ ሕይወት፣ ንዓለምን ንነፍስ ወከፍ ሰብን ምልክት ተስፋ ኣምላኽ ክዀኑ ከም ዘለዎ ኢዩ ዘዘኻኽረና ክብሉ ጸሓፉ።
መብዛሕትኡ ግዜ መንእሰያት ናብ መጻኢ ኣቢሎም ክጥምቱ እንትከለዉ ከም ዝጉህዩን ዝደናገሩን ውን ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም "እቲ ንልቢ ሰብ ዚፈልጥ ጐይታ ግና፣ ኣብ ስግኣት ኣይሓድገናን እዩ" በሉ። "ከም ዝተፈቐርናን እንጸዋዕናን ከምኡውን ከም ነጋድያን ተስፋ መጠን ከም እተላእኽናን ኽንፈልጥ እዩ ዚደልየና" በሉ።
ቅዱስ ኣቦና ብተወሳኺ፣ መንእሰያት "ህልው ግዜ ናይ ኣምላኽ" ምዃኖም ምእንቲ ኽግንዘቡ፣ ናብ ቅዱሳን ክጥምቱ ተማሕጸንዎም።
ኵሉ ጸዋዕታ ንገዛእ ርእስና ንምዕባይን ንምስልጣንን ዘይኰነስ፣ ንኻልኦት ከነፍቅርን ከነገልግሎምን ከም ዝድርኸና ውን ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም ከም ዝገለጽዎ፣ ኣምላኽ ንሰባት ናብ ኪዳናዊ ሕይወት ወይ ናብ ክህነት ወይ ውን ናብ ምንኵስናዊ ሕይወት ዝመርሕ መገዲ ኺመርጹ ከም ዝጽውዖም ውን የዘኻኽሩ።
"ነፍሲ ወከፍ ጸዋዕታ ብተስፋ እተደረኸ ኢዩ፣ እዚ ድማ ኣብ ሓልዮት ኣምላኽ ምትእምማን ከም ዘሎና ውን ዘመልክት ኢዩ" በሉ። ወሲኾም ድማ “ንወንጌል እሙናት ንምዃን መዓልታዊ ብዝግበር ጻዕሪ ከምኡውን ብጸሎትን ብኣስተንትኖን ብኣገልግሎትን ኢዩ ጸዋዕታና ዝበስል" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ክበድ መዓልታዊ ናብራን ግዳማዊ ጸቕጥታትን እኳ እንተ ሃለወ፣ ግዜ ወሲዶዶም ንድምጺ ኣምላኽ ብጸሎት ጽን ክብሉ ውን ተማሕጸኑ።
ሓንሳእ ደው ኢልና ንኽንጽሊ ከምኡ ውን ነቲ ኣምላኽ ንህይወትና ዘለዎ መደባት ክፉታት ንክኸውን ትብዓት ከም ዝሓተና ውን ገለጹ።
ከምዚ ድማ በሉ - "ብመንፈስ ጸሎት ብዝግበር ኣስተንትኖ ንህይወትና ከም ህያብ ጌርና እተደኣ ኣወፊናዮ፣ ልዕሊ ኹሉ ድማ ንሕይወትና ኣብ ኣገልግሎት ናይቶም ኣብ ሕዳጋት ድኽነትን ተነጽሎን ኣብ ዘለዎ ንዝነብሩ ሰባት እተ ደኣ ኣወፊናዮ፣ ናይ ተስፋ ነጋድያን ክንከውን ከም እንኽእል ንኽንግንዘብ ይሕግዘና ኢዩ።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም ከም ዝገለጽዎ ነፍሲ ወከፍ ጸዋዕታ መግለጺ ናይቲ ክርስቶስ ብርሃኑን ምጽንናዑን ኣብ ዘድልየሉ ቦታታት ብዝያዳ ተልእኾና ንምፍጻም ዘሎና ሓፈሻዊ ክርስትያናዊ ጸዋዕታ ኢዩ።
ቅዱስ ኣቦና ብተወሳኺ ኣገልገልቲ ሓርያዊ ጉስነታትን ኣባላት ሥነ መዕበያን፣ ንመንእሰያት ጸዋዕታኦም ንምልላይ ብትዕግስቲ ኼሰንይዎም፣ ብኣኽብሮት ኪሰምዕዎም ከምኡውን ጥበብ ዝመልኦ ምኽሪ ክልግሱሎም ዓደምዎም።
"ጸዋዕታ ኣብ ልቢ ዝዕቆር ክቡር መዝገብ ኣይኰነን" ውን በሉ። ኣብ ክንድኡስ ኣብ ውሽጢ እቲ ዝኣምንን ዘፍቅርን ከምኡውን ተስፋ ዘለዎን ማሕበረሰብ ኢዩ ዝበቍልን ዝድልድልን።"
ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፣ ንዅሎም ክርስትያን ምእንቲ ጸዋዕታ ክጽልዩ ብምዕዳም ከምኡውን መንፈስ ቅዱስ ንመንእሰያት ጸዋዕታኦም ንኽቕበሉ ከም ዘነቓቕሖም ክተኣማመኑ ጻውዒት ኣቕረበሎም።
"ንጐይታ ናባና ንዝመጹ ሓደስቲ ዓየይቲ ናብ ግራቱ ክልእኽን፣ ንሳቶም ድማ ብዓብዪ ፍቕሪ ኸም ዝጸውዖም ርግጸኛታት ክኾኑን፣ ካብ ምጽላይ ከቶ ኣይንድከም" ብምባል፣ "ኣብ መገዲ ወንጌል ከም ነጋድያን ተስፋ ተመላለሱ!" ክብሉ ውን መልእኽቶም ዛዘሙ።