MAP

ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ መበል 12 ዓመት ዕለተ ሲመቶም ናብ መንበረ ጴጥሮስ ኣብ ሆስፒታል ዘኪሮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸክሶ ብሰኪ ዘኳነፎም ረስኺ ሥርዓተ ምስትንፋስን ነድሪ ሰናቡእን ኣብቲ ኣብ ከተማ ሮሜ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ጀመሊ ይርከቡ ብምህላዎም፣ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ኣድማሳዊት ቤተ-ክርስትያን ዘወፈይዎ ብዙሕ ናይ ጕስነት ኣገልግሎታት ንዝክር።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እዞም ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብ መበል 88 ዓመት ዕድሜኡም ዝርከቡ ዘለዉ ናይ ሮማ ጳጳስ፣ ኣብ መበል 12 ዓመት ናብ መንበረ ጴጥሮስ ካብ ዝድይቡ ኣትሒዞም ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን እተፈላለየ ኣገዳሲ ፍጻመታት ከም ዘካየዱ ዝፍለጥ ኢዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብስንኪ ጥእናዊ ጸገማት ረኽሲ ሥርዓተ ምስትንፋን ነድሮ ሰናቡእን ስለ ዘቃጠሞም ኣብቲ ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ጀመሊ ኣብ ትሕቲ ክንክን ሓካይም ይርከቡ ኣለዉ።

ኣብዚ መበል 12 ዓመት ጵጵስናኦም፣ ቅድሚ እዚ ናይ ጥዕና ጸገማት ምጉናፎም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔርን ሰላም ንዓኺ ኦ ንግስተ ሰማይን ን45 ግዜ መሪሖም፣ ን32 ግዜ ድማ ሓፈሻዊ ጉባኤታት ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣካይዶም፣ ንልዕሊ 30 ግዜ መሥዋዕተ ቅዳሴ ምስ ምዕመና ኣዕሪጐም፣ ዳርጋ 230 ዝኸውን ኣኼባታት ጉባኤታትን ድማ ኣካይዶም።

ብዕለት 24 ታሕሳስ 2024 ንምጽንባል ዓመተ ኢዮቤል ንምጽንባል ቅዱስ ኣፍ ደገ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ከፊቶም።

ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሪቢብያ  ቅዱስ ኣፍደገ ከፊቶም፣ ብምሳልያዊ አገባብ ድማ ንዓመተ ኢዮቤል ናብቲ ዝያዳ ዕርቂ ዜድልዮ ቦታታት ከም ዝሰፍሕ ገበሩ።

ኣብ ብወርሒ ጥቅምቲ ከአ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ስሩዕ መበል 16 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖድስ ጳጳሳት ብዛዕባ ሲኖዳውንት መሪሖም፣ እዚ ሲኖዶስ እዚ ነቲ ንሰለስተ ዓመት ዝቐጸለ መስርሕ ንዅሉ ኵርናዓት ቤተ-ክርስትያን ዘሳተፈ ኣብ ምስማዕን ተሳትፎን ዘተ ዝተብረ ተጸምዶ ኢዪ።

ኣብ ወርሒ መስከረም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ዝነውሐ ሓዋርያዊ ጕዕዞ ኣካየዱ፣ እዚ ጕዕዞ እዚ ኸኣ ናብ ኢንዶነዥያን ፓፕዋ ኒው ጊኒን ቲሞር-ለስተን ሲንጋፖርን ዘጠቓለለን ኢዩ ዝነበረ።

ኣብታ ወርሒ እቲኣ ውን ናብ ላክሰምበርግን በልጅዩምን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካየዱ፣ ኣብ ታሕሳስ ከኣ ናብታ ኣብታ ኣብ ሃገረ ፈረንሳይ እትርከብ ደሴት ኮርሲካ በጽሑ።

ቅዱስ ኣቦና ካብ ወርሒ ግንቦት ክሳዕ ወርሒ ሓምለ ኣብ ዝነበረ ግዜ ድማ ናብተን ኣብ ሃገረ ኢጣልያ ዚርከባ ቨኒስን ቬሮናን ትሪስተን ዝበሃላ ዓበይቲ ከተማታት ሰለስተ እተፈላለየ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካየዱ።

ኣብዛ ዓመት እቲኣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንዘስኮ ብዛዕባ ቅዱስ ልቢ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዘመናዊ ሕብረተሰብ ዘለዎ ግደ ብምትኳር “ውእቱ ኣፍቀረን” ዘርእስታ ራብዐይቲ ዓዋዲት መልእኽቶም ኣሕተሙ።

ኣብዛ ዓመት እዚኣ ውን ካብ ከም ኢራን ጃፓን ቺለ ፊሊፒንስ ኣልጀርያ ዝኣመሰላ ሃገራት ዝመዘዝዎም 21 ሓደስቲ ካርዲናላት ንምሻም ዓስራይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ካርዲናላት መሪሖም።

ኣብ መላእ እዛ ዓመት እቲኣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ግጭት ዝበዝሖ ዞባታትን ከምኡ ውን ከቢድ ዕንወት ብዛዕባ ዘጋጥሞም ዘሎ ኸባቢታትን ንዝርከቡ መራሕቲ ኣብያተ-ክርስትያን ናይ ቅርበትን ደገፍን ደብዳቤታትን ናይ ተሌግራምን መልእኽትታትን ለኣኹሎም፣ ኵሉ ሰብ ሰላም ክደሊ ብተደጋጋሚ ካብ ምምሕጻን ድማ ፈጺሞም ኣይደኸሙን።

ድሕርዚ ብሰንኪ ዘጋጠሚም ጸገማት ኩነታት ጥዕና ድሕሪ ንእተወሰነ መዓልታት ኣብ መንበሪ ገዝኦም ምጽናሕ፣ እናኸበዶም ስለዝኸደ ብዕለት 14 ለካቲት ናብቲ ኣብ ከተማ ሮማ ዝርከብ ሆስፒታል ኣጐስቲኖ ጀመሊ ኣተዉ ።

እቲ ከቢድ ናይ ጥዕና ኩነታቶም ድሕሪ ምሕላፉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዕለት 6 መጋቢት ንዅሎም እቶም ምእንቲ ቅዱስነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምሸት ምሸት ጸሎተ መቑጸርያ ዘዕርጉ ዘለዉ ምእመናን ናይ ድምጺ መልእኽቲ ብምምሕልላፍ ምስጋናኦም ገለጹሎም።

"ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪብኩም ምእንቲ ኩነታት ጥዕናይ ስለ እትጽልዩለይ ዘሎኹም ካብ መዓሙቕ ልበይ ኣመስግነኩም ኣሎኹ" ውን በሉ። ኣስዒቦም ድማ "ካብዚ ቦታ እዚ ውን አሰንየኩም ኣሎኹ። ኣምላኽ ይባርኽኩም ድንግል ማርያም እውን ተዕቍብኩም። ይቐንየለይ።” ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላለፉ።

14 Mar 2025, 15:07