MAP

2024.11.20 PIAZZA SAN PIETRO 2024.11.20 PIAZZA SAN PIETRO  

ር. ሊ. ጳ. ንሰበኻ ሮማ ብምኽያት ዘጋጥም ዘሎ ቅልውላው መንበሪ ገዛውቲ 1 ሚልዮን ዩሮ ወፍዮም

ኣብዚ ቐረባ ሰሙናት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ከተማ ሮማ ዝርከብ ሆስፒታል ጀመሊ ቅድሚ ምእታዎም፣ ንክቡር ኣባ ሮበርቶ ሳርዴሊ፣ ንሓገዝ ህጹጽ ኵነታት መንበሪ ኣባይቲ ኣበርክቶ ኣወፍዮም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ሰበኻ ሮማ ዝርከብ ናይ ቀደም መንበሪ ገዛ ካህናት ንምሕዳስ ሓደ ሚልዮን ዩሮ ወፍዮም፣ እዚ ገዛውቲ ድማ ነቶም እተሸገሩ መንበሪ ክኸውን ናብ 20 ኣፓርታማታት ክቕየር ኢዩ።

እዚ ጸብጻብ እዚ ንመጀመርታ ግዜ ብዕለት 30 ጥሪ ኣብቲ ክቡር ኣባ ሮበርቶ ሳርዴሊ ኣብ ቤተክርሲያን ፖሊካርፖ ሮማ እተገብረ ኣኼባ ኣመልኪቶም፣ ይኹን እምበር ኣብቲ ግዜ እቲ መጠን እቲ እተወፈየ ሓገዝ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣይተገልጸን ዝነበረ።

ኣብዚ ቐረባ መዓልትታት እዚ ኣሃዝ እዚ፣ ኣብቲ ብፁዕ ካርዲናል ባልዳሴራ ራይና ዓቃቤ መንበር ሰበኻ ሮሜ ንካህናት ሰበኻ ኣብ ዝለኣክዎ ደብዳበ ተገሊጹ ኣሎ።

ትንቢታዊ ተግባረ ሓልዮ

ብፁዕ ካርዲናል ራይና "ካብ ዕለት 23 ክሳዕ 27 ሰነ 2025 ኢዮቤል ኣቡናትን ካህናትን ከነካድ ኢና ይብሉ። ከም ሰበኻ ሮሜ መጠን ብመንፈሳዊ መዳይ ንምድላው ኣብ ግብረ-ሰናይን ተስፋን ምዕያይን ተግባራቲ ሓልዮት ንምግባርን እዩ" ክብሉ እን ኣመልከቱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ብዕለት 25 ጥቅምቲ ኣብ ቅዱስ ዮሓንስ ላተርን እተገብረ ሰበኻዊ ጉባኤ ኣብ ዝገበርዎ ምብጻሕ፣ ንጕዳይ ቅልውላው ኣባይቲ ውን ጠቂሶም ኢዮም። ብፁዕ ካርዲናል ራይና ኸምዚ ብምባል ተዘክሮኦም ይገልጹ - "ከም ቤተ - ክርስትያን መጠን ነዚ ጕዳይ እዚ ናብቶም ዝምልከትም ኣካልት ሰበሥልጣን ኣቕሪብናዮ ኢና። ድምጽና እትንተ ኣልዓልና ድማ፣ ብዝያዳ እቲ እንብሎ ዘሎና ተቐባልነት ዘለዎ ንክኸውን ገለ ትንቢታዊ ስጕምቲ ኽንወስድ ኣገዳሲ እዩ ኢለ እየ ዝኣምን" ክብሉ ውን ዘለዎም ሓሳባት ኣካፈሉ።

ወርሓዊ ደገፍ

ብፁዕ ካርዲናል ራይና ኣስዒቦም ከምዚ በሉ - "በዚ ምኽንያት እዚ ምስ ቤት ምኽሪ ካህናት ሰፊሕን ዓሚቝን ምይይጥ ድሕሪ ምግባርና፣ ነዚ 'ምልክት ተስፋ' እዚ ሓሲብናሉ ኢና፣ እዚ ድማ ነቲ ክቡር ኣባ ሮበርቶ ሳርዴሊ (ብስም ሓደ ንኣገልግሎቱ ብውዕዉዕ ስምዒት ነቶም ግዳም ሓደር ዝኾኑ ሰባት ዘወፈየ ካህን ሰበኻና እተሰምየ) ንምድጋፍ ኢዩ ዝነበረ። እዚ ገንዘባዊ ሓገዝ እዚ ነቶም ውዕል ክራይ ወይ ነቲ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ክራይ ኣባይቲ ንምኽፋል ዚቃለሱ ዘለዉ ስድራ ቤታት ኪሕግዞም ዝኽእል እዩ።"

ብፁዕ ካርዲናል ኣስዒቦም ነቶም ካህናት ነዚ ወርሓዊ ገንዘባዊ ደገፍ ወይ ገለ ኽፋል እቲ ገንዘብ ብምውፋይ ወፈያ ኽገብሩ ዓደምዎም። ከምዚ ድማ በሉ - "እዚ ውሳነና ንልቢ ብዙሓት ሰባት ክትትንክፍ ተስፋ እገብር፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ ቤተ-ክርስትያን ሮማ ዝያዳ ፍልጠት ከተስፍሕን፣ ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን ነቲ ኣብ ከተማና ዘሎ ህጹጽ ኵነታት መንበሪ ኣባይቲ ብንጥፈት መፍትሔ ክርረኽቡሉን ንማሕበር ሳርዴሊ ኽድግፉ ከተተባብዕን ዝኽእል ኢዩ" ክብሉ መልእኽቶም ዛዘሙ።

07 Mar 2025, 13:26