ር. ሊ. ጳ. ኣብ ርጉእ ኵነታት ኢዮም ዘለው፣ በብቝሩብ ምምሕያሽ የርእዩ ኣለዉ
ዜና ቫቲካን
ዝሓለፈ ቀዳም ምሸት ዕለት 15 መጋቢት ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዝወሰ መግለጺ ከም ዘመልክቶ ብዛዕባ ኣብ ኣከተማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ጀመሊ ኽንክን ክንክን ዝገበረሎም ዘሎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንዘስኮ ከምዚ ዝስዕብ ሕክምናዊ መግለጺ ኣውጺኡ፦
ኩነታት ጥዕና ቅዱስ ኣቦና ኣብ ርጉእ ዅነታት ኢዩ ዘሎ፣ እዚ ድማ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እተራእየ ለውጥታት ዘረጋግጽ ኢዩ። እቲ ብመገዲ ዋሕዚ ኦክስጅን ዚግበረሎም ዘሎ ሕክምናዊ ሕገዛ ይቕጽሉ ኣለዉ፣ ከምኡ ውን ነቲ ለይቲ ለይቲ ክገብረሎም ዝጸንሐ መካኒካዊ ሕገዛ ሥርዓተ ምስትንፋስ ከም ኣድላይነቱ በብቝሩብ እና ነከዪ ኢዮም ዝኸዱ ዘለዉ።
ቅዱስ ኣቦና ኽሳዕ ሕጂ ሕክምናዊ ኽንክን መድሃኒታትን ከምኡውን ፊዝዮተራፒ የድልዮም ኢዩ ዘሎ። እዚ ሕክምናታት እዚ በብቝሩብ ተወሳኺ ምምሕያሽ ንኸርእዩ ሓጊዝዎም ኣሎ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሕክምና ኣብ ዘሕልፍዎ ዘለዉ ግዜ ኣብ ጸሎትን ዕረፍትን ከምኡውን ኣብ እተወሰነ ግድነታዊ ስራሓትን ጥራይ የሕልዎም ከም ዘለዉ ንጋዜጠኛታት ዝተዋህበ መግለጺ ውን የመላኽት።
ትማሊ ሰንብት ድሕሪ ቀትሪ ድማ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጽቡቕ ከም ዝሓደሩን፣ ኩነታት ጥዕናኦም ዝተረጋግአ ከም ምህላውን ብሕባር፣ ናይ ዕለተ ሰንበት መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብቲ ኣብ ዓስራይ ደርቢ ሆስፒታል ጀመሊ ዝርከብ ቤትጸሎት ከም እተሳተፉ ኣመልኪቱ። ንመጀመርታ ግዜ ድማ ቅዱስነቶም ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ እናተሳተፉ ዘርኢ ስእሊ ኣመሓላሊፉ።
ዝቕጽል ወግዓዊ ሕክምናዊ መግለጺ ድማ ጽባሕ ሰሉስ ወይ ረቡዕ ክትወጽእ ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ። ቤት ጽሕፈት ዜና ክፍሊ ማሕተምን ከኣ ምሸት ምሸት ንጋዜጠኛታት ሓፈሻዊ ሓበሬታ ምሃብ ክቕጽል ኢዩ።