ር. ሊ. ጳ.፦ ሓምዅሽቲ 'ናብቲ ክዉንነትን ተመሊስና ክንሓስብ ይገብረና'
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብዚ እዋን እዚ ብሰንኪ ዘጋጠሞም ጥዕናዊ ጸገማት ኣብቲ ኣብ ከተማ ሮማ ዝርከብ ሆስፒታል ጀመሊ ይርከቡ ብምህላዎም ንምጅማር ዘመነ ጾም ነቲ ነዛ ዓመት እዚኣ ዘሰናደውዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ ኣብቲ ኣብ ባዝሊካ ቅድስቲ ሳቢና ሮማ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብጹዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ደ ዶናቲስ ሓለቃ ጳጳሳዊ ቤተ ኖዛዜ ኣንበብዎ ።
ላቲናዊ ሥርዓት እትኽተል ቤተክርስቲያን ኣብ ምጅማር ዓቢይ ጾም ኣብ ዝኸብር ሮቡዕ ሕሙኹሽቲ ተባሂሉ ዝስመ ዕለት፣ ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ንሓምኹሽቲ ብምብራኽ ከም ምልክት ንስሓ ኣብ ግምባር ምእመናን ዝቕበዓሉ ጥንታዊ ሥርዓት ኢያ እትፍጽም። ቅዱስነቶም ድማ ነዚ ሥርዓት እዚ ብምስትንታን ንናይ ዕለቱ ስብከት ቃል ኣምላኽ ኣካፈሉ።
ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘሰናደውዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ ሓምዅሽቲ "ንዝኽሪ መንነትና የሐድሶ" ጥራይ ዘይኰነስ "ንተስፋ ናይቲ ኣብ መጻኢ እንኾኖ ውን የዘክረና" ክብሉ የስተንትኑ።
ብፁዕ ካርዲናል ደ ዶናቲስ ነዚ ስብከት ቅዱስነቶም ቅድሚ ምንባቦም፣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነዚ ኣጋጣሚ ንዘሰናደውዎ ስብከት ቃል ምላኽ ክሰምዑ ብምዕዳም ከምዚ በሉ - "ኣብዚ ህሞት እዚ ምስ ቅዱስነቶም ዓሚቝ ሓድነት ኣሎና፣ ስለቲ ምእንቲ መላእ ቤተ-ክርስትያንን ዓለምን ክብሉ ናብ ኣምላኽ ዘቕርብዎ ዘለዉ ጸሎቶምን ሥቓዮምን ድማ ነመስግኖ ኢና" በሉ።
ሰብኣዊ ተነቃፊነት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ሓምዅሽቲ እንከነስተንትን ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ዓሚቝ ሓቅታት ንዜዘኻኽረና መገድታት ብምትኳር እዮም ስብከቶም ዝጀመርዎ።
"ነቲ እንገብሮ ሓምዅሽቲ ምእንቲ ኽንቅበሎ ርእስና ኣድኒንና ኢና" በሉ። እዚ ሓምዅሽቲ እዚ ህይወትና ተነቃፊትን ትርኩም ከም ዘይብላን ኮይና ከም እትርአ የዘኻኽረና ኢዩ። ሓመድ ኢና፣ ካብ ሓመድ ኢና ከአ ተፈጢርና፣ ናብ ሓመድ ድማ ክንምለስ ኢና።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ እዚ ተነቃፊነት እዚ እተፈላለየ መልክዕ እዩ ዘለዎ፣ እዚ ኸኣ ድኻም፡ ድኽመት፡ ፍርሂ፡ ክሳራ፡ ዝፈሸለ ሕልምታት፡ ሕማም ድኻም መከራ ከምኡውን ሞት እዩ።
ሓድሓደ ግዜ ኻብዚ ሓቅታት እዚ ኽንሃድም ንጽዕር እኳ እንተ ዀንና፣ እዚ ሓምዅሽቲ ኣብ ግምባርና ምግባር "መንነትና ዘዘኻኽረና" ኢዩ በሉ።
እዚ ድማ ንመንፈሳዊ ንቕሓትና ጽቡቕ ልማድ ምዃኑ ኣጕልሑ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ስብከቶም ብምቕጻል፣ ኣብ ገዛእ ርእስና ምትእምማን ንኸወግድ ይሕግዘና፣ ናብ ክውንነት ድማ ይመልሰና፣ እዚ ድማ "ዝያዳ ትሑታትን ንሓድሕድና እንቀራርብን" ኢዩ ዝገብረና ።
ተስፋና
ይኹን እምበር ሓምዅሽቲ ብዛዕባ ተነቃፊነትና ዜዘኻኽረና እኳ እንተ ዀነ፣ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ንኺህልወና ውን ምኽንያት ከም ዘሎና የዘኻኽረና እዩ ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ድማ "እዚ ሓምዅሽቲ ብዛዕባ እታ ብኢየሱስ ወዲ ኣምላኽ እተጸዋዕናላ ተስፋ ውን እዩ ዜዘኻኽረና፣ ንሱ ሓመድ ምድሪ ወሲዱ [ሥጋና ብምልባስ] ናብ ላዕሊ ናብ ሰማይ ወሲድዎ እዩ" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ስብከቶም፣ ከምዚ ዝኣመሰለ ተስፋ ኣገዳሲ ምዃኑ ገለጹ፣ ከመይሲ ብዘይ ብእኡ "ነቲ ተነቃፊ ዝዀነ ሰብኣዊ ዅነታትና ከይሰልከና ክንጻወሮ" ከምኡውን ንሞትና ኣብ ግምት ብምእታው "ናብ ጓህን ራዕድን ክንጥሕል" ንኽእል ኢና።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መደምደምታ "ብምሉእ ልብና ናብ ኣምላኽ ንመለስ" ምሕጽንታ ኣቕረቡ።
"እቲ ኣብ ንፋስ ተበታቲኑ ዘሎ ተነቃፊ ድኹም ሓሙዅሽቲ ንሕናውን ነቲ መዋቲ ዝዀነ ተዘክሮና ብተስፋ እቲ ዝተንስአ ጐይታ ምእንቲ ኺመልእ ንዕኡ ኣብ ህይወትና ቐዳማይ ቦታ ንሃቦ" ብምባል ስብከቶም ዛዘሙ።