ር. ሊ. ጳ. ብ2028 ድሕረ ሲኖዶስ ዝካየድ ኣቅላሲያዊ ጉባኤ ክጽዋዕ ኣጽዲቖም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ዋና ጸሓፊ ቤት ጽሕፈት ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ማሪዮ ግሪች፣ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2028 ኣብ ቫቲካን ድሕረ ሲኖዶስ ዝካየድ ፍሉይ ኣቅላሲያዊ ጉባኤ ብምእዋጅ፣ ነቲ ንሰለስተ ዓመት ዝካየድ መስርሕ ትግባሬ ውሳኔታት ሲኖዶስ ፍጻሜ ከም ዝኸውን ኣፍሊጦም።
ብፁዕ ካርዲናል ግሪች ኣብቲ ናብ ዅሎም ጳጳሳትን፡ ኤጳርቅታትን ከምኡውን ናብ ፓትርያርክታትን ዓበይቲ ሊቃነ-ጳጳሳትን፣ ምብራቓዉያን ካቶሊካውያን ኣብያተ-ክርስትያንን ዝጸሓፍዋ መልእኽቶም እቲ ጉባኤ ካልእ ሓድሽ ሲኖዶስ ከም ዘይኮነ ኣመልኪቶም።
እዚ መስርሕ እዚ ነቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2024 እተዛዘመ "ሲኖዳዊት ቤተ-ክርስትያን ንሕብረት ተሳትፎ ከምኡውን ተልእኾ" ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ንዝተካየደ ናይ ሰለስተ ዓመት ጕዕዞ ሲኖዶስ ናይ ትግባሬ መድረኽ ዘመልክት ክኸውን ኢዩ።
ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መደምደምታ እቲ ሲኖዶስ ከም ዘነጽርዎ፣ እቲ መዛዘሚ ሰነድ ናይ ስሩዕ መበል 16 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ "ክፍሊ ናይቲ መደበይና ሥልጣነ ኣስተምህሮት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ" ክኸን ስለዚ ስለዝወሰኑ ኢዩ፣ በዚ ኸምዚ ተቐባልነት ክረክብ ክንዲ ዝሃለዎ ድማ፣ ብፁዕ ካርዲናል ግሪች ኣስዒቦም ከምዚ ይብሉ "ኣከባብያውያን ኣብያተ ክርስቲያንትን ካልኦት ጕጅለታት ኣብያተ-ክርስትያንን" ነመምርሒታት ናይዚ ሰነድ "ምስትውዓልን ውሳነ ብምግባርን ኣብ ግብሪ ንምውዓል" ቈራጽነት ክገብራ ከም ዘለወን ውን ገለጹ።
ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያን ተፍባራዊ ምትሕብባር ምህላው
ካርዲናል ግሪች እዚ ናይ ትግባሬ መድረኽ እዚ ከም ሓደ "ካብ ላዕሊ ንእተዋህበ መምርሒታት ከም ምቕባል ጥራይ ክርአ" ዘይኰነስ ከም "መስርሕ ተቐባልነት" ናይቲ መዛዘሚ ሰነድ “ከከም ኣድላይነት ኣከባቢያዊ ባህልን ሕብረተሰብን ድሌታትን” ገይርካ ክርአ ከም ዘለዎ ገለጹ። ዕላማኡ ከአ "ኣብ መንጎ ኣብያተ-ክርስትያንን ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያንን ተግባራዊ ምትሕግጋዝ ንምግባር" ኢዩ።
ንኻህናትን ንዲያቅን ንሰብ ውፉይ ሕይወትን ምእመናንን ምስታፍ
ሓደ ኻብቲ ወሳኒ መዳይ ናይዚ መስርሕ ትግባሬ እዚ ንኵሎም እቶም "ንመላእ ቤተክርስትያን ጽን ምባል" ኣብ ዝብል ኣብ ሲኖዶስ እጃሞም ዘወፈዪ ብዝገብርዎ ሜመያ ሃዋርያዊ ኣገልግሎታቶም ፍረ ምእንቲ ከፍሪ ኢዩ።
ቀንዲ መሰረት ናይዚ ጻዕሪ እዚ ድማ "ካህናትን ንዲያቆናትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ሕይወትን ከምኡውን ምእመናን ዘሳትፍ ጕጅለታት ሲኖዶስ" ብጳጳሳቶም እተሰነዪ ምቋም ኢዩ። ስለዚ እቶም ዋና ጸሓፊ ከም ዘመልከትዎ እዘን ጕጅለታት እዚኣተን "ዋጋ ክወሃበንን" ኣድላዪ እንተድኣ ዀይኑ ኸኣ "ክሕደሳ ዳግም ክነቓቕሓ ከምኡውን ብግቡእ ክወሃሃዳ" ሓሳብ የቕርቡ።
ጕጅለታት መጽናዕትን ሽማግሌ ሕገ ቀኖናን
ብመሰረት እቲ ዋና ጸሓፊ ጉባኤ ሲድኖዶስ ጳጳሳት ዝሃብዎ መግለጺ ብምሉኡ እቲ መስርሕ "ናይ ጕጅለታት መጽናዕቲ ውጽኢትን፣ ኣበርክቶ ናይ ሽማግሌ ሕገ ቀኖናን ሲኖዶስን" ዝቕመጠሉ "መቓን" ኢዩ።
እተን ዓሰርተ ጕጅለታት መጽናዕቲ ኣብ መጋቢት 2024 ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፣ ነቲ ብ2023 ኣብ መበል 16 ጉባኤ ሲኖዶስ ብዛዕባ ሲኖዳውነት እተገብረ ኣብ ናይ መጀመርታ ኣኼባ እተላዕለ ጕዳያት ንምምርማር ተመስሪተን እየን።
ኣብ ርእሲ ውን እቲ ሽማግሌ ሕገ ቀኖና ካብ 2023 ኣትሒዙ ብንጥፈት ይዓዪ ኣሎ፣ እዚ ድማ ኣብቲ ኣብቲ ካልኣይ ክፍለ-ግዜ ናይ ሲኖዶስ ጳጳሳት ኣብ መሳርሒ ሰነድ "ንሲኖዶስ ንምግልጋል ምስቲ ብዛዕባ ሕግዝዊ ጽሑፋት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ብምትሕብባር" ከም እተመስረተ ዝሕብር ኢዩ።
ጉጅለታት ሲኖዶስ ዓመተ ኢዮቤል
ብፁዕ ካርዲናል ግሪች ብዛዕባ እቲ ኣብ መድረኽ ትግባሬ ሲኖዶስ ዘሎ መስርሕ ውን ይገልጹ - ነቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝካየድ መስርሕ ኣዋጅ ስዒቡ ብዛዕባ ትግባሬን ምጽንባልን ዚገልጽ ፍሉይ ሰነድ ብምሕታም ከምኡውን ነቲ ኣብ ውርሒ ጥቅምቲ ካብ 24-26 ክካየድ እተመደበ "ጕጅለታት ሲኖዶስ ኣብ ዓመተ ዕልታታ ተሳትፎ ዚገብሩ ኣካላትን" ብምጽንባል ክጅመር እዩ።
እዞም ዋና ጸሓፊ ከም ዘመልከትዎ "ተጸምዶ ናይ ሓንቲ እናዓበየት እትኸይድ ዘላ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ውሽጢ እቲ ዘየሕፍር ተስፋ" ክኸውን ዘለዎ "ኣገዳሲ ፍጻመ" ምዃኑ ውን ኣጕልሑ።
ናይ ሰለስተ ዓመት መስርሕ
ኣብ መንጎ እቲ ቐዳማይን ካልኣይን ክፍለ ግዜ ናይ ዓመተ 2027 ዝካየድ ጉባኤታት ገምጋም ኣብ ሰበኻታት ኤጳርቅናታትን ሃገራትን ዀነ ኣህጉራዊ ጉባኤታት ጳጳሳትን፣ ከምኡ ውን ኣብ ቅርጻ ምሕደራ ምብራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያናትን ብተወሳኺ ድማ ኣብ ካልኦት ጕጅለታት ቤተ ክርስትያን ኪግበር እዩ ። እቲ ቐዳማይን ካልኣይን ክፍለ ግዜ ናይ ዓመተ 2028 ከኣ ነቲ ኣብ ጥቅምቲ 2028 እተገበር ኣህጉራዊ ናይ ገምጋም ጉባኤ ከምኡውን ንሕትመት ሰነድ ትግባሬ ናይቲ ኣቅላሲያዊ ጉባኤ ክውፈ ኢዩ።
ምእንቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጸሎት ክግበር ዝቐረበ ጻውዒት
ብፁዕ ካርዲናል ግሪች ኣብ መወዳእታ ካብ ዕለት 14 ለካቲት ኣትሒዞም ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍንቸስኮ ብሰንኪ ዘጋጠሞም ጸጋማት ኩነታ ጥዕና፣ ኣብቲ ኣብ ከተማ ሮማ ዝርከብ ሆስፒታል ጀመሊ ይርከቡ ስለ ዘለዉ ፣ ጸሎት ክግበረሎም ጻውዒት ብምቕራብ ዛዘሙ።