ር.ሊ.ጳ. ንዓለምለኻዊ መዓልቲ ስደተይናታት 2025 ዓ.ም. “ልኡካን ተስፋ” ዝብል መርሕ ቃል መሪጾም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እቲ ካብ ዕለት 4 – 5 ጥቅምቲ ዝበዓል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን፣ "ስደተይናታት ልኡካን ተስፋ እያቶም” ብዝብል ቅውሙ ሓሳብ ክምራሕ ቅዱስነቶም ከም ዝወሰኑን ውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕልዋይ ቤት ጽሕፈት ዕለት 3 መጋቢት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።
ስደተይናታት 'መዓልታዊ ተስፋ ይምስክሩ'
“ትብዓትን ጽንዓትን ስደተይታትን ተመዛበልትን፡ መዓልታዊ ተስፋ ዝምስክሩ” ምዃኖም ንምስትንታን ዝሕግዝ ዕድል ምዃኑ፣ ውሁድ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣብሪሁ፣ “ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣብቲ እንግዶት ዝረኽብሉ ማሕበረሰባት ‘ናይ ተስፋ ልኡካን’ ይኾኑ፣ መብዛሕትኡ ግዜ እምነቶም ኣብ ምሕያልን ኣብ ሓባራዊ ክብርታት ዝተመርኮሰ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ኣብ ምድንፋዕን ኣበርክቶ ይገብሩ። ንቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ እቲ ናይ መወዳእታ ሸቶ ምድራዊ ጉዕዞና ዝኾነ ናይ መጻኢ ቤትና ከም ዘዘኻኽርዋ ዝገልጽ ቅዉም ሓሳብ ምዃኑ የዘኻኽር።
ኣብ 1914 ዓ.ም. ዝተመስረተ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን፡ ካቶሊካውያን ብግጭት፡ ስደትን ቁጠባዊ ጸገማትን ዝተመዛበሉ ሰባት ክዝክሩን ክጽልዩን ዕድል ዝህብ እውን ምዃኑ እቲ መግለጺ ይሕብር።