እንቋዕ ናብ ዝኽሪ መበል 12 ዓመት ዕለተ ሲመትኩም ኣብጽሓኹም ቅዱስ ኣቦና!
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
እቶም ሓወርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝኾኑ ብፁዕ ካርዲናል ክሪስቶፍ ፒየርን፡ ኣባል ካቶሊካዊ ካሪታስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከሪ ሮቢንሰንን፡ ብፁዕ ኣቡነ ዳንየል ፍሎረስ ብዓል ብራውንስቪልን ከምኡውን ፍራንቸስካዊ ካህን ክቡር ኣባ ማይክል ፐሪን ገለ ኻብቶም ብምኽያት መበል 12 ዓመት ዝኽሪ ዕለተ ሲመት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ካብቲ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ዘካየድዎ ዘለዉ ጉባኤ ፍቕሮምን ሞሳኦምን ጽቡቕ ትምኒቶምን ካብ ዘመሓላለፉ ሰባት ኢዮም ዝነበሩ።
እዚ ናይ ሎም ዓመት ዝኽሪ ዕለተ ሲመት እዚ ብዕለት 13 መጋቢት 2025 ኣብቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ጀመሊ ኣብ ርከቡ ዘለዉ ግዜ ኢዩ ተዘኪሩ ዝውዕል ዘሎ።
ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዝርከቡ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ሕጻናትን ምእናንን ከምኡውን ሰዓብቲ ካልኦት እምነታት መልእኽትታት ናብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣመሓላሊፎም፣ ስለቲ ኣብ ዝሓለፈ 12 ዓመታት ዘመነ ጳጳስናኦም ኣብ መነብረ ጴጥሮስ ዘሕለፍዎ መንፈስን ሓውርያዊ ኣገልግሎትን ድማ የመስገንዎም፣ ኣብዚ እዋን እዚ ድማ ብቕልጡፍ ክሓውዪን ከምኡውን ሰናይ ጥዕና ኽረኽቡን ዘለዎም ሰናይ ምንዮት ገለጹሎም።
ገለ ኻብቶም ሰናይ ምንዮቶም ዝገለጹ፣ ኣብቲ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ዝርከብ መንበረ ጥበበብ ኢየሱሳውያን ዩኒቨርሲቲ ፎርድሃም ዝካየድ ዘሎ "ንቕድሚት ዝወስድ ጐዳና 2025፣ ኣቅላሲያዊ ጉባኤ" ናይ ዝተሰምየ ኣኼባ ኣወሃሃድትን ተሳተፍን ይርከብዎም። እዚ ዓመታዊ ጉባኤ ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ ኣኃው ኩልነ - ፖለቲካ ማሕበረሰብን ድንጋጽን ምዅስኳስ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ዝተሰምየ ኢዩ።
እቲ ምስ ማእከል ሃይማኖትን ባህልን መንበረ ጥበብ ፎርድሃምን፣ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ልበ ኢየሱስን ከምኡውን ምስቲ ኣብ ሎዮላ ዝርከብ ሃንክ ማእከል ብምትሕብባር እተወደበ ናይ ኽልተ መዓልቲ ዋዕላ ኮይኑ ጳጳሳትን ሊቃውንትን ጋዜጠኛታት ከምኡውን መራሕቲ ካቶሊካውያን መራሕትን ዘሳተፈ ብዛዕባ እቲ ሎሚ ንቤተ-ክርስትያን ዝትንክፍ ኣገዳሲ ጕዳያት ንምዝታይ ዝካየድ ዘሎ ኢዩ።