ካብ ሆስፒታል ጀመሊ - ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ ጽቡቕ ደቂሶም ከም ዝሓደሩ ተፈሊጡ
ዜና ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሎሚ ሰኑይ ንግሆ ካብ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዝወጸ መግለጺ ከም ዘመልከቶ ጽቡቕ የዕሪፎም ከም ዝሓደሩ ኣመልኪቱ።
ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ሃቦ መግለጺ ውን ኩነታት ጥዕና ቅዱስ ኣቦና ከም እተመሓየሸ እንከመልክት ከምዚ ዝስዕብ ይብል፦
"ሎሚ'ውን ናይ ቅዱስ ኣቦና ሕክምናዊ ኩነታት ርጉእ ኢዩ ዘሎ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሕገዛ መካኒካዊ ስርዓተ ምስትንፋይ ኣብዚ እዋን እዚ ኣየድልዮምን ኢዩ ዘሎ፡ ተወሳኺ ልዑል ዋሕዚ ኦክስጅን ዘለዎ ሕገዛ ግን ይበረሎም ኣሎ። ረስኒ ውን የብሎምን።"
“እቲ ሕክምናዊ ኩነታቶም ዝተሓላለኸ ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ትሕቲ ምክትታል ሕክምና ክጸንሑ ኢዮም።
ትማሊ ሰንበት ንግሆ ቅዱስ ኣቦና ምስቶም ኣብ ሆስፒታል ኣብዘን መዓልታት ከገልግልዎም ዝጸንሑ ሓካይምን ሰብ ሞያ ጥዕናን መስዋዕተ ቅዳሴ ተሳቲፎም። ብድሕሪኡ ድማ ንዝነበሮም ግዜ ንዕረፍትን ምስ ጸሎትን ወፍዮም ወዓሉ።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብቲ ዝሓለፈ ዓርቢ ዘጋጠሞም ብሮንኮስፓዝም ቀጥታዊ ሳዕቤን ብንጹር ኣይርአን እዩ ዘሎ፣ ይኹን እምበር ኵነታት ጥዕና ቅዱስ ኣቦና ክዳኸም ዝከኣሊዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብሰንኪ እዚ ዛገጠሞም ረኽሲ ስርዓተ ምስትንፋ ካብ 14 ለካቲት ኣትሒዞም ኣብ ሆስፒታል ጀመሊ ኢዮም ዝርከቡ ዘለዉ።