ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንላዕለዋይ ወሳኒ ቤት ፍርዲ ኩርያ ሮማና ኣባላት ዘስምዕዎ መደረ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝፍጸም ምስጢረ ተክሊል እውን እንተኾነ፡ ብመሰረት ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ብትኽክል ዝተነጸረ ምኽንያታት እንተሃልዩ፡ ፍሩስ ክበሃል ዝከኣል እዩ። ናይ ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ ወሳኒ ቤት ፍርዲ ደያኑ “ሮታ ሮማና” ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ፡ ይግባይ ዘይበሃሎ ናይ መወዳታ ፍርዲ ዘመሓላፍ ክኸውን እንከሎ፡ ብዛዕባ ፍትሕ ዝኣመሰለ ሕቶታት ውሳነ ዝህቡ እውን እዩ።
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ስድራ ቤት ኣማእኪሉ ኣብ 2014 ዓ.ም. ዝተኻየደ ሲኖዶስ ጳጳሳት፡ መስርሕ ጉዳያት ፍትሕ ዝያዳ ተበጻሕን ተዓጻጻፍን ክኸውን ዝብል ዘቕረበሎም ሕቶ ምላሽ ንምሃብ፡ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት “Mitis Iudex Dominus Iesus - ጎይታ ኢየሱስ ለዋህ ፈራዲ እዩ” (2015)፡ ከምኡ’ውን “Mitis et Misericors Iesus - ለዋህን መሓርን ኢየሱስ” (2015) ብዝብል ኣርእስቲ ዝደንገግዎ፡ ኣብ ኣሰራርሓ
ጉዳያት ፍትሕ ዝምልከት ሕዳሴ ከም ዘተኣታትዉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ማእከላይ ተራ ናይ ሃገረ ስብከት ጳጳሳት
ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘስምዕዎ መደረ፡ ንማእከላይ ተራ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሓዊሱ፡ ንመዳያት ተሓድሶ ከም ዘዘኻኸሩን፡ “ተራ ናይ ሃገረ ስብከት ጳጳስ፡ እቲ ተሓድሶ ማእከል ክግበር ኣለዎ፡ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ኣብ ሃገረ ስብከቱ ዘሎ ዓቕለስያዊ ቤት ፍርዲ፡ ብዛዕባ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቃል ኪዳን ዝኣሰሩ ዘቕርብዎ ሕቶ ፍትሕ ንምምሕዳር ሓላፍነት ዝስከም ክኸውን እንከሎ፡ ኣብዚ መዳይ ጳጳሳት ሃገረ ስብከት ዓቢ ናይ ምውሳን ተራ ከም ዘለዎም የዘኻኽሩ።
" . . . እቶም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቃል ኪዳን ዝኣሰሩ ናይ ፍትሕ ሕቶ ዘቕርቡ ምእመናን፡ እቲ ጉዳያት ፍትሕ ዝምልከት ኣገባብ፡ ነቲ ዘጋጠሞም ሃንደበታዊ ዅነታት ፈውሲ ክኸውን ከም ዝኽእል ከስተውዕሉ ኣለዎም፡”
ዝበሉ ቅዱሰቶም ኣስዒቦም፡ ብዛዕባ ፍትሕ ዝምልከት ኣሰራርሓ ዝያዳ ሓበሬታን ዝያዳ ግሉጽነትን ክህሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ "ስለዚ ንጥፈታት እቲ መጋባእያ ኣብ ሓዋርያዊ ጉስነት ኺጠቓለል፡ ኣቡናት ከኣ ንምእመናን፡ ነቲ ሃንደበታዊ ዅነታት ፍታሕ ኪረኽቡሉ ዘኽእል መስርሕ ከም ዘሎ ኺሕብሩ ኣለዎም እንክብሉ ተማሕጺኖም። ሓድሓደ ግዜ ምእመናን እዚ መገዲ እዚ ኸም ዘሎ ዘይፈልጡ ምዃኖም የሕዝን" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ናጻ ኣገልግሎትን ሞያዊ ብቕዓትን
እቲ ብዛዕባ ፍትሕ ውሳኔ ዝህብ መስርሕ ቤት ፍርዲ ቤተ ክርስቲያን፡ ብናጻ ዝወሃብ ኣገልግሎት ምዃኑን፡ ከምኡ እውን እቲ ነዚ ጉዳይ እዚ ዝምልከት ኣካል፡ ሞያዊ ብቅዓት ዘለዎ ምዃኑ ክረጋገጽ ኣለዎ፡ "ጉስነት ጳጳስ ብፍላይ ኣብ ሃገረ ስብከቱ፡ ብሰራሕተይናት ደያኑ ዝቖመ ቤት ፍርዲ ምህላዉ ብሕጊ ዘውሕስ ክኸውን ኣለዎ፡ ብዝግባእ ዝሰልጠኑን ብቑዓትን ሰባት - ካህናትን ዓለማውያን ምመናን - ከምኡ’ውን ስርሖም ብፍትሕን ትግሃትን ዝፍጽሙ ምዃኖም ከረጋግጽ ኣለዎ። ኣብ ስልጠና ናይዞም ሰራሕተይናታት ዝግበር ወፍሪ - ስነ ፍልጠታዊ፡ ሰብኣውን መንፈሳውን - ኩሉ ግዜ ነቶም ምእመናን ይጠቅም፡ ዋላ'ውን ኣሉታዊ መልሲ እንተረኸቡ፡ ጥርዓኖም ብጥንቃቐ ክምርመር መሰሎም እዩ፡" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
እቲ ኣገባብ ሕግታት ዝተወሰኑ መሰረታዊ ሕግታትን መትከላትን ከረጋግጽ ከም ዘለዎ ቅዱስነቶም ኣስተብሂሎም፡ ፍትሕ ኣብ ዝምልከት ቤት ፍርዳዊ መስርሕ፡ መሰል ናይቲ ፍትሕ ዝሓትት ምክልኻልን ቅኑዕነት ናይቲ ቃል ኪዳንን ክስሓት የብሉን፡ ዕላማ እቲ መስርሕ ጉዳይ ንምንጻር እምበር፡ ዘየድሊ ጸቕጢ ንምፍጣር ወይ ወጥሪ ንምዕባይ ከምዘይኮነ ብኣጽንዖት ገሊጾም፡ ሓደ ካብ ዕላማታት እቲ ተሓድሶ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም መብርሂ ዝጽበዩ ዘለዉ ዝተጎድኡ ምእመናን ዝግበር ጸቕጢ ንምንካይ፡ መስርሕ ቤት ፍርዲ ምቅልጣፍ ዝምልከት ከም ዝኾነ ድማ ሓቢሮም፥ ቅልጡፍ ውሳነታት ክወሃብ ዘተባብዕ እውን ምዃኑ የዘኻኽሩ።
ጥንቃቐን ጥበብን ፍትሕን ዘማእከለ ኣሰራርሓ
ር.ሊ.ጳ. ንደያኑ ላዕለዋይ ወሳኒ ቤት ፍርዲ ኩርያ ሮማና፥ ኣብ ስርሖም ጥንቁቓትን ትኩራትን ፍትሓውያንን ክኾኑ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ "እቲ ተሓድሶ ነቲ ሕግታት ኣብ ምትግባር ጥንቁቓት ኣብ ምዃን ከቢድ ብድሆ ከምዝፈጥር ርዱእ'ዩ - ስለዚ እቲ ተሓድሶ፡ ሕያውነትን ሓልዮትን መሰረት ዝገበረ ጥንቃቔን ፍትሕን ዝብል ክልተ ዓበይቲ ሰናይ ባህርያት ይጠልብ” ምስ በሉ፥ እቶም ሰብ ሓዳር ዝኣሰርዎ ቃል ኪዳን ፍቱሕ ይበሃለለይ ወይ ፍቱሕ ኣይኹን ዝብል ዘቕርብዎ ሕቶ ዝምልከት፡ ንቤተ ክርስቲያንን ዝወሃብ መስርሕ ኣገልግሎት ስለዝኾነ፡ ነቲ “ሓዳርን (መውስቦ) ስድራቤታውን ክውንነት” ብምኽባር ክካየድ ከምዘለዎ ኣዘኻኺሮም፡ ዕማም ደያኑ፡ “ዓቢ ሓላፍነት ዘለዎ፡ ልዕሊ ኩሉ ግን ዓቢ ጽባቐ ዘለዎ እዩ፡ ከመይሲ “ነቲ መውስቦ ንምንጻሕን ናብ ዝነበሮ ንምምላስን ዝኣመተ ስለ ዝኾነ” እንክብሉ፡ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።