MAP

2025.02.23 Giubileo dei Diaconi - Santa Messa 2025.02.23 Giubileo dei Diaconi - Santa Messa  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ. ናብ ዲያቆናት ፦ 'ሓዋርያት Ljረትን፣ ገዛእ ርእሶም ዘየቐድሙ ኣገልገልትን ኩኑ'

ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ሪኖ ፊሲሸላ ንኢዮቤል ዲያቆናት ብምምልካት ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ፣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዲያቆናት ዘሰናደውዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ ብምምሕልላፍ፣ ሓዋርያት Ljረትን ርእሶም ዘየቀድሙ ኣገልገልትን ከምኡውን ሃነጽቲ ሕብረትን ክዀኑ ኣተባብዕዎም። ቅዱስነቶም ብሰንኪ ዘጋጠሞም ኩነታት ጥዕና ኣብቲ ኣብ ከተማ ሮማ ዝርከብ ሆስፒታል ጀመሊ ሕክምናዊ ክንክን ይግበረለሎም ብምህላዉ ውን ምእንትኦም ጸሎት ክገብሩ ተማሕጸንዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ትማሊ ሰንበት ኣብ ኢዮቤል ዲያቆናት፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዘሰናደውዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ሓጐስ ብምትኳር እዚ ድማ ብፍላይ ንድያቆናት ዚምልከት ግን ከኣ ንዅሎም ክርስትያናት ኣብ ጕዕዞ እምነቶም ኣገዳሲ ዝዀነ  ፍረ ነገር ከም ምኹኑ ኣስተንተኑ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብሰንኪ ዘጓነፎም ረኽሲ ሥርዓተ ምስትንፋስ ኣብ ሆስፒታል ጀመሊ ኣብ ትሕቲ ክንክን ሓካይም ብምህላዎም ነቶም ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ሓዲስ ስብከተ ወንጌል ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ህየንተ ዝኾኑ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ሪኖ ፊሲሸላ ኣብ ክንዲ ቅዱስነቶም መሥዋዕተ ቅዳሴ ከዕርፉሎም ነቲ ቅዱስነቶም ዘሰናደውዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ ከካፍልዎምን መዘዝዎም።

ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ፊኖ ፊዚኬላ ኣብቲ ዘካፈልዎም ስብከት ቃል ኣምላኽ ከምዚ በሉ - "ኣሕዋትን ኣሓትን ብፍላይ ከኣ ንስኹም ፍቑራት ዲያቆናት ከምኡውን ንስኻትኩም ድሕሪ ሓጺር እዋን ብኣንብሮ ኢድ ናብቲ ቅዱስ መዓርግ ዲቁና እትድይቡ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ባዕሎም ኣብዛ ፍልይቲ ሰንበት እዚኣ ተረኺቦም ነዚ ምስጢር እዚ ክዕድሉኹም ኢዩ ዝነበረ መደቦም፣ እንተ ኾነ ግን ኣብክንዲ ቅዱስነቶም ኮይን ነቲ ንሶም ዘሰናደውዎ ስብከታ ቃል ኣምላኽ ከካፍልኩምን ከለኹ ኣዝየ ኢየ ዝሕጐስ" በሉ።

ኣስዒቦም ድማ "ኣብዚ ሕብረት ምሉእ ብምሉእ ትርጕም ዝረኽበሉ መሥዋዕተ ቅዳሴ ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ወላ እኳ ኣብ ሆስፒታል ደቂሶም እንተ ሃለዉ፣ ኣብ ጥቓናን ምሳናን ከም ዘለዉ ዀይኑ ኢዩ ዝስምዓና። እዚ ኸኣ ጐይታ ኣብዚ ፈተናን ሕማምን ዝመልኦ እዋን ምእንቲ ኽሕግዞም ኣብ ጸሎት ብዝያዳ ክንብርትዕ የገድደና ኢዩ" ውን በሉ ።

Ljረት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ካብቲ ናይ ዕለቱ ንባብ ቅዱስ መጽሓፍ ተበጊሶም ብዛዕባ ሰለስተ መግለጺታት ሓጐስ ኣስተንቲኖም፣ እቲ ቐዳማይ Ljረት ምግባር እዩ፣ እዚ ኸኣ በቲ ጐይታናን መድሓኒናንን ኢየሱስ ክርስቶስ ንጸላእትና ኸነፍቅር ዝሃብና ትእዛዝ ኣሕጽር ኣቢሉ ይገልጸልና (ሉቃስ 6 27)።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በዚ መጸዋዕታ እዚ ኣቢሉ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ ብምባል ኣዘኻኸየዘኻኽረና - "ይቕረ ኽንብልን ይቕሬታ ኽንሓትትን፣ ንርክባትና እንደገና ኽንሃንጽን ሕሉፍ ሓሊፍና እውን ካብቶም ዝጐድኡናን ወይ ዝኸድዑናን ንዘሎና ፍቕሪ ኸይንሓብእ ክንመርጽ የድልየና ኢዩ፣ ከመይሲ እዛ ንጸላእታ እትጸልእ ዓለም፣ ተስፋ ዘይብላን መጻኢ ዘይብላን ዓለም ኢያ እትኸውን፣  ከምቲ ሎሚ እንርእዮ ዘሎና ኣደዳ ናቲ መወዳእታ ዘይብሉ ውግእን ምክፍፋልን ሕነ ምፍዳይን" እያ እትኸውን በሉ ።

ይቕረ ምባል ኪበሃል ከሎ ንዓናን ንማሕበረሰብናን ባህ ዜብልን ውሕስነት ዘለዎን መጻኢ ምድላው ማለት እዩ" በሉ።

መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ኢዮቤል ዲያቶና 2025
መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ኢዮቤል ዲያቶና 2025   (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ስለዚ ይቕረ ምባል ኣገዳሲ ኽፍሊ ክርስትያናዊ ጸዋዕታና ኢዩ፣ ብፍላይ ከኣ ናይ ዲያቆናት ኣገልግሎት ኮይኑ "ናብ ዓለምና ከም ዝልኣኹ" ዝገብሮም ኢዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣስተንትኖኦም ኣስዒቦም፣ ከም ኣብነት ይቕሬታ ድማ፣ ነቲ ካብ ቀዳማይ ንባብ ናይ ዕለቱ እተወስደ፣ ነቲ ዳዊት ኣብቲ ዝሰጐጎ ዝነበረ ንጉስ ሳኦል ዝነበሮ ተኣማንነትን ርእሰ ግትኣትን ጠቒሶም ውን ይርከቡ፣ ከምኡ ውን   ቅዱስ እስጢፋኖስን፣ ጐይታና ኢየሱስ ባዕሉን ምእንቲ እቶም ዝሰቐልዎ ከም ዝጸለየን፣ ነቲ ኣብ የማኑ ዝነበረ ዓመጸይና ድሕነት ከም ዘቕረበሉን ውን ዘኪሮም (ሉቃስ 23፡ 34, 43)።

ገዛእ ርእስኻ መሥዋዕቲ ብምግባር ምግልጋል

ብድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ "ገለ እኳ ከይተጸበኻ ሰናይ ግበርን ኣለቅሕ ውን" (ሉቃስ 6፡35) ዝብል ቃላት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብምጕላሕ፣ ብዛዕባ ስስዐ ዘይብሉ ኣገልግሎት ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ኣስተንትኖኦም፣ ንዲያቆናት ስስዐ ዘይብሉ ኣገልግሎት "ካልኣይ መዳይ" ንጥፈታቶም ከም ዘይኰነ ብምዝካር፣ ዲያቆናት ካብ ካልኦት ሞሳ ኸይደለዩ፣ ብሓጐስን ብትሕትናን ኬገልግሉ ኣተባብዕዎም፣ በዚ ኸምዚ ድማ ነቲ ንኻልኦት ብምግልጋል ዓብዪ ምዃን ከም ዝከኣል ዚምህረና ኢየሱስ ኣቕልቡሉ (ማርቆስ 10፡ 45) ክብሉ ውን ተማሕጸንዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "በቲ ምትሕብባርኩምን ብልግሲኹምን ነቲ መንበረ ታቦት ምስ ጐደናታት፣ ንቅዱስ ቍርባንን ድማ ምስ መዓልታዊ ህይወት ሰባት ዜራኽብ ድልድል ክትኰኑ ኢኹም" በልዎም።

"ፍቕሪ ኻብ ኵሉ ዝበለጸ ኣምልኾኹምን፣ ሥርዓት ናይቲ ብትሕትና እትገብርዎ ኣገልግሎትን እዩ።"

መሥዋዕተ ቅዳሴ ንኢዮቤል ዲያቆናት 2025
መሥዋዕተ ቅዳሴ ንኢዮቤል ዲያቆናት 2025   (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ሕብረት

ኣስዒቦም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝጠቐስዎ፣ ሳልሳይ መዳይ ሓጐስኩም ሕብረትኩም ኢዩ፣ እዚ ድማ ዋላ ሓንቲ እኳ ከይተጸበኻ ብናጻ ብምውፋይ "እትከናኸንዎ" ኢዩ።

ከምቲ ቅዱስ ላውረንስ ዝበሎ ተልእኾኦም ብምስፋሕን ነቶም "መዝገብ ቤተ-ክርስትያን" ዝዀኑ ድኻታት ብምቕባልን ማሕበረሰብ ከም ዝሃንጹ ውን ገለጹ።  ዲያቆናት ንኻልኦት ብቓላት ጥራይ ዘይኰነስ ብተግባራቶም እውን ዋጋ ኸም ዘለዎም ኰይኑ ኸም ዚስምዖም ብምግባር ሕብረትን ሓድነትን ከም ዚለዋወጡ ይገብሩ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም ከምዚ በሉ - "ተልእኾኹም ካብ ሕብረተሰብ ዝፈልየኩም ንዅሉ ሰብ ግሉጽን ባህ ዘብልን ቦታ ምእንቲ ክኸውን እንደገና ኣብኡ ንኽትጥሕሉ ጥራይ ኢዩ።”

ትሕትና

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብቶም ንክህነት ዝዳለዉ ዘለዉ ምልስ ብምባል፣ ነቲ ናይ ክህነት ጸዋዕታትኩም ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምብጻሕ ከም "ዕቤት" ዘይኰነስ ከም ናብ ትሕትና "ምውራድ" ገይሮም ክርእይዎ ተማሕጸንዎም፣ ከመይሲ ንኻልኦት ንምግልጋል ገዛእ ርእስኻ ኣትሒትካ ምርኣይ ኢዩ ዘድሊ።

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንኹሎም ድያቶናት ናብ እኖናን ድንግል ማርያም ብምውፋይን ናብ ጠበቓነት ቅዱስ ላውረንስ ውን ኣማሕጸንዎም፣ ስለዚ ሓዋርያት ይቕረታን ገዛእ ርእሶም ዘየቀድሙ ኣገልገልቲ ኣሕዋትናን ኣሓትናን፣ ሓነጽቲ ሕብረት ኪዀኑ ውን ተማሕጸንዎም።

መሥዋዕተ ቅዳሴ ዲያቆናት 2025
መሥዋዕተ ቅዳሴ ዲያቆናት 2025   (VATICAN MEDIA Divisione Foto)
24 Feb 2025, 12:43