MAP

2025.02.08 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፣ ኣብ ውሽጢ ኣባይቲ ስድራ ትርጉም ዘለዎ ጸሎት ኣገዳሲ ምዃኑ የጉልሑ 2025.02.08 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፣ ኣብ ውሽጢ ኣባይቲ ስድራ ትርጉም ዘለዎ ጸሎት ኣገዳሲ ምዃኑ የጉልሑ  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፣ ኣብ ውሽጢ ኣባይቲ ስድራ ትርጉም ዘለዎ ጸሎት ኣገዳሲ ምዃኑ የጉልሑ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 8 ለካቲት ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ምስ ፈጻሚ ሽማግለ ናይቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ስጳይና ከተማ ሰቪላ ዝተኻየደ ካልኣይ ኣህጉራዊ ጉባኤ ሕውነትን ህዝባዊ መንፈሳውነትን ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፡ ብፍላይ ጸሎት ኣብ ውሽጢ ኣባይቲ ስድራ ከምኡውን ዓብዪ ፍቕርን ሓባራዊ ምክብባርን ዘለዎ ኣገዳስነት የጕልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 8 ለካቲት ኣብ መንበሪኦም ቅድስቲ ማርታ ህንጻ ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ምስ ፈጻሚ ሽማግለ ናይቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ስጳይና ከተማ ሰቪላ ካብ ዕለት 4 - 8 ታሕሳስ 2024 ዓ.ም. ዝተኻየደ ካልኣይ ኣህጉራዊ ጉባኤ ሕውነትን ህዝባዊ መንፈሳውነትን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፣ ህርመት ልቢ ፍቕሪ ኩሉ ግዜ ኣብ ዓውዲ ዕዮኹም ይሰማዕ! ቢሎም፣ ኣብዚ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ ንእግዚኣብሔር ከመስግኑ ናብ ሮማ ዝመጹ ምዃኖም ብምግንዛብ፡ ከም ነጋድያን ተስፋ ክቕበልዎምን ክራኸብዎምን ዝስምዖም ሓጐስ ከም ዝለገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

. . . ቅዱስነቶም ነቲ ፈጻሚ ሽማግለ ናይቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ስጳይና ከተማ ሰቪላ ዝተኻየደ ካልኣይ ኣህጉራዊ ጉባኤ ሕውነትን ህዝባዊ መንፈሳውነትን፣ “ወትሩ ኣብ ኩሉ ስፍራን ንኹሉን መሰኻኽር ፍቕሪ ኩኑ”

እንክብሉ ኣተሓሳሲቦም፣ ብቐዳምነት ፍቕሪ ኣብ ስድራ ቤት ክቃላሕ ከምዘለዎ ድማ ገሊጾም፡ ኩሉ ካብ ፍቕርን ንፍቕርን ምስ ፍቕርን ይኹን፥ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ምክብባር፡ ፍቕሪ፡ ሓልዮት

ሓደ ኻብቲ እቶም እንወፈየሉ "ብሕቡእ ዝቐርብ ግብረ - ሰናይን ሓልዮትን" ነቶም መዕቅቢ ዘይብሎም ስደተይናታትን ግዳም ሓደርን ምእንጋድን ቀረባ ምዃን ዝብል ከም ዝኾነን ነዚ ዝነብሩ ብምዃኖም ድማ ኣመስጊኖም፡ ኣብዚ ስራሕ እዚ ኩሉ ግዜ ህርመት ፈቃር ልቢ ንሰምዕ። “ብኣኽብሮት፡ ፍቕርን ሓልዮትን” ኣቢልና፡ ሕብረተሰብን ነቶም እነአንግዶም፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘለዎ ፍሉይ ክብሪ መሊሶም ከለልዩ ከም ዝኽእሉ ነረጋግጽ እንክብሉ ቅዱስነቶም ኣብታ ኣብታ "ሰብኣውን መለኮታውን ፍቕሪ ልበ ኢየሱስ ክርስቶስ" ኣብ ዝብል ኣርእስቲ፣ መፈሳውነት ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ዘለዎ ኣገዳስነትን እንደገና ንምሕዳስን ብዛዕባ ናይ እምነት ለውሃትን፣ ናይ ምግልጋል ሓጐስን ከምኡውን ብዛዕባ ተልእኾን ዘለዎ ውዕዉዕ መንፈሳውነት ምእንቲ ኸይርሳዕ፡ ከም ኣማናዊ መንፈሳውነት ምእንቲ ክነቓቓሕ ጻውዒት ኣብ ዘቕረብሉ “Dilexit nos - ውእቱ አፍቀረነ" ኣብ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ፍቕዲ 169 ተወኪሶም ድሕሪ ምዝኽካር፣ ኣብ መወዳእታ ኢየሱስ ክባርኾም፣ ማርያም ክትሕልዎም በማላድነታ ድሕሪ ዘቕረብዎ ጸሎት ዘካየድዎ ርክብ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

10 Feb 2025, 17:05