MAP

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምእንቲ ግዳያት ሓደጋ ኣውቶቡስ ኣብ ጓተማላ ይጽልዩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምእንቲ ግዳያት ሓደጋ ኣውቶቡስ ኣብ ጓተማላ ይጽልዩ  (AFP or licensors)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምእንቲ ግዳያት ሓደጋ ኣውቶቡስ ኣብ ጓተማላ ይጽልዩ

ኣብ ጓተማላ ሓንቲ ኣውቶቡስ ካብ እትጓዓዘሎ ዝነበረ ጽርጊያ ድልድል ወጺኣ ድሕሪ ዘጋጠመ ሓደጋ ምግልባጥ ብውሕዱ 55 ሰባት ከም ዝሞቱ ዝተሓበሮም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፣ እቶም ዝሞቱ እግዚኣብሔር ኣብ መንግስቱ ክቕበሎምን እቶም ዝተጎድኡ ድማ ብቕልጡፍ ክሓውዩን ይጽልዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ጓተማላ ብዘጋጠመ ሓደጋ ኣውቶቡስ ብውሕዱ 55 ሰባት ከምዝሞቱ ምስ ተሓበሮም፡ ብርቱዕ ሓዘን ከም እተሰመዖም ናብ ናይ ሳንትያጎ ደ ጓተማላ ሊቀ ጳጳሳት ጎንዛሎ ደ ቪላ ዪ ቫስኩዝ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም ገሊጾም፡ “እቶም ዝሞቱ እግዝዚኣብሔር ኣብ ዘለኣለማዊ መንግስቲ ክቕበሎም ጸሎተይ አቕርብ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቅዱስነቶም ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም፣ “ንቤተሰብ ግዳያት ምጽንናዕ ካብ እግዚኣብሔር እጽሊ” ቢሎም፣ ንዝተጎድኡ ብቕልጡፍ ክሓውዩ ድማ ተመንዮም፣ ንኹሎም በቲ ዘጋጠመ ናይ ኣውቶቡስ ምግልባጥ ሓደጋ ንዝተተንከፉ ቅርበቶምን ጸሎትምን ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እታ ኣውቶቡስ ዕለት 10 ለካቲት ንግሆ ናብ ርእሰ ከተማ ጓቲማላ እናተጓዕዘት እንኮላ፣ ካብ እትጓዓዘሉ ዝነበረ ጽርጊያ ድልድል ወጺኣ ንኣስታት 20 ሜትር ቁልቁል ከም ዝወደቐትን 53 ሰባት ድማ ከም ዝሞቱን ካብቶም መጉዳእቲ ዘጋጠሞ ንቤት ሕክምና ካብ ዝተወስዱ ውሽጢ ድማ ክልተ ከም ዝሞቱን፣ ብዙሓት ድማ ኣብ ሕክምና ከም ዘለዉ ዜና ቫቲካን ካብ ጓተማላ ዝወጸ ሓበሬታ ጠቒሱ እንከመላኽት፡ ወሃቢ ቃል መጥፋእቲ ሓዊ ኤድዊን ቪላግራን፡ ካብቶም ግዳያት ሕጻናት እውን ከም ዝርከብዎም ከፍልጥ እንክሎ፣ ናይታ ሃገር ርእሰ ብሔር በርናርዶ ኣረቫሎ ንስድራ ቤት ምዉታትን ፈተውቶምን ጽንዓት ይሃብኩም ቢሎም ሃገራዊ መዓልቲ ሓዘን ከም ዝኣወጁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

14 Feb 2025, 17:15