MAP

2025.02.22 Giubileo dei diaconi permanenti (fot. don Marek Waresa) 2025.02.22 Giubileo dei diaconi permanenti (fot. don Marek Waresa) 

ር. ሊ. ጳ ናብ ዲያቆናት ፦ ብሓጐስን ብፍቕርን ቀጽሉ!

ኣብቲ ንናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ዘወፈይዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ጀመሊ ይርከብ ስለ ዘለዉ፣ ነቲ ነዛ ሰንበት እዚኣ ዘሰናደውዎ ኣስተንኖ ብመንገዲ ቤትጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ክሓትም መረጹ፣ ንዲያቆናት ድማ ኣገልግሎቶም ብሓጐስን ብፍቕርን ክቕጽሉ ኣተባብዕዎም፣ ቅዱስነቶምን ነቶም ኣብ ብምሉኡ እቲ ሆስፒታል ዘለዉ ሕሙማንን ነቶም ኣብቲ ሆስፒታል ዘለዉ ሓካይምን ሰብ ሞያ ጥዕናን ዘለዎም ምስጋና ውን ገለጹሎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ነዚ ሰሙን እዚ ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ዘሰናደውዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ዲያቆናት ከምዚ ዝስዕብ ክብሉ መዓድዎም፦

"ከምቲ ናይ ሎሚ ወንጌል ዘስተምህረና፣ ነቲ ንእከይ ናብ ጽቡቕ ዝቕይሮን፣ ሕውነታዊ ዓለም ዘፍርን ምልክት ፍቕሪ ክትኰኑ ብሓጐስ ክትቅጽሉ እምሕጸነኩም ኣለኹ።"

ቅዱስ ኣቦና ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ዝገበርዎ፣ ኣብቲ ኣብ ከተማ ሮማ ዝርከብ ሆስፒታል ጀመሊ ይርከቡ ብምህላዎም ነቲ ነዚ ሰንበት እዚ ዘወፈይዎ ኣስተንትኖኦም ናብ ኩሎም ምእመና ክበጽሕ ክንዲ ዝተመነዩ ብመንገዲ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ ምንበር ተሓቲሙ ክዝርጋሕ ፈቐዱ።

ኣብቲ ኣስተንትኖኦም ቅዱስ ኣቦና ነታ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝካየድ ዘሎ ኢዮቤል ዲያቆናት፣ ብፍላይ ከኣ ነቲ ትማሊ ሰንበት ንግሆ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዘኪሮም፣ ኣባኡ ድማ ገለ ካብ እተፈላለየ ክፍልታት ዓለም ዝመጹ ናብ መዓርገ ዲቁና ከም ዝደየቡ ውን ኣመልከቱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም "ንዓታቶምን ነቶም ኣብዚ ኣብ ቫቲካን እተኻየደ ኢዮቤል ዲያኮናት እተሳተፉ ሰባትን ሰላምታይ የቕርበሎም" ብምባል ወሲኾም ድማ "ነቶም ብዛዕባ ጉዳያት ካህናትን፣ ሓዲስ ስብከተ ወንጌልን ዝሓልዩ ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ስለ ዘዳለዉ አመስግኖም ኣሎኹ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም "ፍቑራት ኣሕዋቱ ዲያቆናት" ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ "ንስኽትኩም ንስብከት ቃል ኣምላኽን ንኣገልግሎት ፍቕርን እተወፈኹም ኢኹም" በልዎም።

ቅዱስ ኣቦና ብተመሳሳሊ ነቲ "ኣገልግሎቶም ኣብ ቤተ-ክርስትያን ብቓልን ብግብርን ክፍጽሙ፣ ፍቕርን ምሕረትን ኣምላኽ ከኣ ናብ ኩሎም ንብምብጻሕ" ንዝገብርዎ  ወፈያ ውን ነኣድዎ።

በዚ መንፈስ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብሓጐስን ብፍቕርን ኪቕጽሉ ተማሕጸንዎም ። "ንፍቕሪ ኣብ ሓደጋ ኸይተእትዋ ኣይትፍርሑ!" ድማ በልዎም።

"ከምቲ ናይ ሎሚ ወንጌል ዝሕብረና ድማ ምልክት እታ ንዅሉ እትሓቍፍ ፍቕሪ ኽትኰኑ ብሓጐስ ክትቅጽሉ እምሕጸነኩም ኣለኹ ።... "

ቅዱስነቶም ኣስዕብ ኣቢሎም "ኣነ ግን ኣብ ሆስፒታል ጀመሊ ብምጽናሕ ኣድላዪ ሕክምና እረክብ ኣለኹ፣ ዕረፍቲ እውን ክፍሊ ናይቲ ዝግበረለይ ዘሎ ሕክምና ኢዩ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ በዚ ኸምዚ "ነቶም ኣብዚ ሆስፒታል እዚ ዘለዉ ሓካይምን ሰራሕተኛታት ሰብ ሞያ ጥዕናን ስለቲ ዝገብሩለይ ዘለዉ ቘላሕታን ስለቲ ንኹሎም ሕሙማት ዝገብሮሎም ኩሉ ካብ ልበይ አመስግኖም ኣሎኹ” በሉ።

24 Feb 2025, 12:57