MAP

People of war-torn towns in Ukraine's Donetsk region aim to rebuild lives People of war-torn towns in Ukraine's Donetsk region aim to rebuild lives 

ር. ሊ. ጳ. ብዛዕባ ዩክረይን - 'ዘሳቕን ዘሕፍርን' ዝኽሪ ‘ናይ ኩሎም ደቂ ሰባት’

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ንናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚብሔር ዘሰናደውዎ ኣስተንትኖ፣ ምኽንያት ኩነታት ጥዕና ኣብ ሆስፒታል ይርከቡ ስለዘለዉ፣ ብመንገዲ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ክዝርጋሕ ፈቒዶም። ኣብቲ ዝመሓላለፍዎ መልኽቲ ድማ፣ ናይቲ ሎሚ ዕለተ 24 ለካቲት 2025 ተዘኪሩ ዝውዕል ኣብ ዩክረይን ንዝቕጽል ዘሎ ውግእ መበል ሳልሳይ ዓመቱ ብምዝካር "ንዅሎም ደቅሰብ ዘሳቕን ዘሕፍርን ኣጋጣሚ" ክብሉ ጸውዕዎ፣ ከምኡውን ምስቶም ኣብ ዩክረይን ዝሳቐዩ ዘለዉ ሕዝብን ምስ ኵሎም እቶም ግዳያት ዕጡቕ ግጭታት ዝዀኑ ሰባትን ዘለዎ ሓድነት ገለጹ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብቲ ንጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ዘሰናደውዎ ኣስተንትኖ ሃገረ ሩስያ ኣብ ዩክረይን ዝገበረቶ ዝወረራ ዝኽሪ ሳልሳይ ዓመት ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ቅማሊ ከምዚ በሉ "ጽባሕ ሳልሳይ ዓመት ዝኽሪ ናይቲ ኣብ ዩክረይን ዝቕጽል ዘሎ መጠነ-ሰፊሕ ውግእ ኢዩ፣ እዚ ድማ ንዅሎም ደቅሰብ ዘሳቕን ዘሕፍርን ኣጋጣሚ ኢዩ!" በሉ።

ቅዱስ ኣቦና ካብ ዕለት 14 ለካቲት ኣትሒዞም ብሰንኪ ዘጋጠሞም ጥዕናዊ ጸገማት ኣብ ሆስፒታል ጀመሊ ሕክምና ይግበረሎም ኣሎ ።

ቅዱስነቶም ኣብቲ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ዘወፈይዎ ኣስተንትኖ "እታ በጃ ትኸን ዘላ" ዩክረይን ብምባል ተዘክሮኦም ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዚ ብምባል ኣዘኻኸሩ - "ምስቶም በጃ ዝዀኑ ዘለዉ ሕዝቢ ዩክረይን ዘሎኒ ሓድነት ከሐድሶ ከለኹ፣ ነቶም ግዳያት ኵሉ ዕጡቕ ግጭታት ንዝዀኑ ሰባት ክትዝክርዎምን ኣብ ፍልስጥኤም እስራኤል ከምኡውን ኣብ ብምሉኡ ማእከላይ ምብራቕ፣ ኣብ ምያንማር ኪቩ ከምኡውን ሱዳን ሰላም ንኽሰፍን ክትጽልዩን እዕድመኩም ኣለኹ" ክብሉ ተማሕጸኑ።

ቅዱስ ኣቦ ንዅሎም እቶም ምእንቲ ቅዱስነቶም ዝጸለዩ ዘለዉ እውን ምስጋናኦም ገለጹ።

"ኣብዚ እዋን እዚ በቲ ኻብ ህጻናት ዚመጸኒ ደብዳበታትን ስእልታትን ውሽጠይ ተተንኪፈ ኣሎኹ።”

"ስለቲ ኣብዚ ግዜ እዚ ኻብ መላእ ዓለም ዝተቐበልክዎ ዜጸናንዕ ጸሎትን ሰናይ ምንዮትን ውን  አመስግነኩም ኣሎኹ!" ክብሉ ውን መልእኽቶም ኣመሓላለፉ።

24 Feb 2025, 12:49