MAP

ናይ ር.ሊ.ጳ. መልእኽቲ ንመበል 99 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ተልእኾ፥ ጸሎት 'ንብርሃን ተስፋና' ህያው ይገብሮ ናይ ር.ሊ.ጳ. መልእኽቲ ንመበል 99 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ተልእኾ፥ ጸሎት 'ንብርሃን ተስፋና' ህያው ይገብሮ 

ናይ ር.ሊ.ጳ. መልእኽቲ ንመበል 99 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ተልእኾ፥ ጸሎት 'ንብርሃን ተስፋና' ህያው ይገብሮ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ንናይ 2025 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ተልእኾ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ዓለምለኸ መዓልቲ ተልእኾ፡ "ነቲ ብልጭታ ተስፋ ህያው ንምግባር ንዅሎም እቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ዘብርህን ዘማሙቕን ዓቢ ሓዊ ምእንቲ ክኸውን ብጸሎት ናብ ጐይታ ንምምላስ" ዝድርኽ ቀንዲ ረቛሒ ምዃኑ የዘኻኽሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዕለት 6 ለካቲት ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ህንጻ ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ተተርጒይሙ ዝወጸን ወግዓዊ መግለጺ ዝተወሃበሉን ንዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ተልእኾ 2025 ዓ.ም. ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ጸሎት "ቀዳማይ ናይ ተልእኾ ንጥፈት" ጥራይ ዘይኮነስ "ነቲ ብእግዚኣብሔር ኣብ ውሽጥና ዝተነብረ ብልጭታ ተስፋ ህያው ንምግባር..." ቀንዲ ረቋሑ ምዃኑ የስተብህሉ።

ቅዱስነቶም ናይ ሎሚ ዓመት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ተልእኾ ሕመረት፡ "ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ" ምዃኑ ብምዝኽካር፡ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፣ “ኣብ መንጎ ኩሎም ህዝብታት ልኡኻት ተስፋ” ዝብል ኣርእስቲ ከም ዝሃብሉን። እቲ ዝሃብዎ ኣርእስቲ ድማ ንነፍሲ ወከፍ ክርስቲያንን ንመላእ ቤተ ክርስቲያንን "ብኣሰር ክርስቶስ፡ ልኡኻትን ሃነጽቲ ተስፋን ክንከውን መሰረታዊ ጸዋዕታና" ንምዝኽካር ምዃኑ የብርሁ።

በዚ መንጽር እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሰለስተ መዳያት ክርስትያናዊ ልኡኽ ናይ ምዃን መንነትና ቅድሚ ምሕሳቦም፡ እታ መዓልቲ ናይ ጸጋ ግዜ ክትከውን ድሌቶም ይገልጹ።

ኣሰር ኢየሱስ ክንስዕብ ብመንፈስ ዝተደረኽና

መጀመርያ ኣሰር ጐይታ ምስዓብ ማለት፣ "ንሕና'ውን ኣሰር ናይ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ክንስዕብ መንፈስ ቅዱስ ዘነቓቕሓና ኣምላኽ ኣብ ዝሃበና ቦታን ኩነታትን ኣብ ኩሉ ቦታን ኩነታትን ልኡኻት ተስፋ ንኽንከውን እዩ . . .ቢሎም  ኣብ መንጎ ኩሎም ኣህዛብ ክርስትያናት ተሰከምትን ሃነጽትን ተስፋ" ምዃኖም ኣብ መልእኽቶ የዘካኽሩ።

"ክርስትያን ንክርስቶስ ጐይታ ኣብ ምስዓብ፡ ጭቡጥ ኩነታት ህይወት ናይቶም ዝራኸብዎም ሰባት ብምክፋል፡ በዚ ኸኣ ተሰከምትን ሃነጽትን ተስፋ ክኾኑን ቃል ብስራት ክነግሩ ይጽውዑ" እንክብሉ ኣተሓሳሲቦም፣

"ጸዋዕታ ጐይታ ብምስዓብ፡ ብክርስቶስ ዝተገልጸ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኹሉ ክንነግር ናብ ካልኦት ኣህዛብ ንኸይድ"

ምስ በሉ ኣስዒቦም፡ "ስለዚ ንልኡካነ ወንጌል ብልቢ ኣመስግነኩ! ህይወትኩም ነቲ ንደቀ መዛሙርቲ ንኹሎም ህዝብታት ወንጌል ክሰብኩ ዝለኣኾም፡ ካብቲ ሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ክርስቶስ ዝተዋህበ ትእዛዝ፣ ንጹር ምላሽ እዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኣብሰርቲ ሓድሽ ሰብኣውነት

በዚ መንገዲ እዚ ር.ሊ.ጳ. ብሓይሊ መንፈስን መዓልታዊ ጻዕርን፣ "ኣብ መንጎ ኩሎም ህዝብታት ልኡካንን ናይቲ ብጐይታ ኢየሱስ ዝተዋህበና ዓቢ ተስፋ መሰኻኽርን" ንኽንከውን፣ ንዝተጠመቐ ኩሉ ዝተዋህበ ጽዋዕታ ምዃኑ ምዃኑ ይገልጹ።

በዚ ዓቢ ተስፋ ተደሪኾም፡ ማሕበረሰብ ክርስትያን፡ “ብዙሕ ምድንጋር፡ ጽምዋን ንጠለባት ኣረጋውያን ዘይምግዳስን ከምኡ’ውን ንዝተጸገሙ ጎረባብትና ንምሕጋዝ ጻዕሪ ንምግባር ድሌት ዘይምህላውን” ዘሰክፍ ምልክታት ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ዘርእየሉ ዓለም፡ ሓለውቲ ሓድሽ ሰብኣውነት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።

ኣብተን ብእደ ጥበብ ኣዝየን ዝማዕበላ ሃገራት፡ ቀረባ ምዃን ይጠፍእ ከምዘሎ ኣስተብሂሎም፣ "ኵላትና ንሓድሕድና ዝተኣሳሰርና እኳ እንተ ዀንና ዝምድና ግን የብልናን። ንስጋዊ ነገራትን ህርፋንን ብውጽኢታዊ መገዲ ስለ እነርእዮን ስለ እንምነዮን ኣብ ጥቕሚ ርእስና ጥራይ ከነተኩርን ለጋሳት ከም ዘይንኽውንን እዩ ዚገብረና።"

“ኣብ ሕይወት ሓደ ሕብረተሰብ ዝተመኮረ ወንጌል፡ ናብ ምሉእ፡ ጥዑይ፡ ዝተበጀወ ሰብኣውነት ክመልሰና ይኽእል እዩ።”

በዚ ምኽንያት’ዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፣ ኩሎም ምእመናን ንድኻታትን ድኹማትን ኣረጋውያንን ዝተገለሉን ፍሉይ ኣቓልቦ ክገብሩን፣ "ብናይ እግዚኣብሔር 'ቅዲ' ቅርበትን ርህራሄን ለውሃትን" ክነብሩ ዘቕርብዎ ጻውዒት ደጊሞም ኣብ መልእኽቶም የቕርቡ።

ኣብ መንፈሳውነት ፋሲካ ዝተሓደሰ

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም "ምሕዳስ ተልእኾ ተስፋ" ናብ ዝብል ሳልሳይ መዳይ ኣቕኒዖም።

“ሎሚ ህጹጽ ተልእኾ ተስፋ ኣብ ዝገጠመሉ እዋን፡ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ፡ ኣብቲ ተስፋ ምቕራጽን ዘይሕጉስነትን ዝረኣየሉ “ኢደ ጥበበይናታት” ተስፋ ንኽኾኑ ዝተጸውዑ ምዃኖም ክፈልጡ ኣለዎም።

ናይ ተስፋ ልኡካን፡ "ናይ ጸሎት ሰባት” እያቶም፣ "ምኽንያቱ 'ተስፋ’ ዝገብር ሰብ ዝጽሊ ሰብ እዩ።"

"ጸሎት ቀንዲ ረቛሒ ናይ ተልእኾ እዩ፡ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ድማ 'ቀዳማይ ሓይሊ ተስፋ' ምዃኑ ኣይንርስዕ" ኣንክብሉ ኣብ መልእኽቶም ብኣጽንዖት የዘኻኽሩ።

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፣ ልኡካን "ኣብ ቃል ኣምላኽን ኣብ መዝሙረ ዳዊት ተሞርኲይሶም ክጽልዩ ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር፣

ብልጭታ ተስፋ ብጸሎት ህያው ምግባር

ምጽላይ ይብሉ ቅዱሰቶም፣ "ነቲ ኣምላኽ ኣብ ውሽጥና ዘብርሆ ብልጭታ ተስፋ ህያው ይገብሮ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ ንዅሎም እቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት በቲ ጸሎት ዘነቓቕሖ ጭቡጥ ንጥፈታትን ተግባራትን ኣቢሉ ዘብርህን ዘማሙቕን ዓቢ ሓዊ ንኸውን" እንክብሉ የጒልሑ።

ስብከተ ወንጌል ኩሉ ግዜ ከም ክርስትያናዊ ተስፋ ባዕሉ ናይ ማሕበራዊ መስርሕ ምዃኑ ኣስሚሮም፣ እቲ መስርሕ ስብከት ወንጌል ብመባእታውያን ቅዱሳት ምስጢራት ዝውዳእ ዘይኮነስ ዝቕጽል እዩ" እንክብሉ የነጽሩ።

ጸሎትን ተግባርን

ናይ ተልእኾ ወንጌል ዕዮ፣ ከም ማሕበረሰብ ምጽላይን ምውሳእን ከም ዝሓትት ኣስሚሮም፣ ስለዚ  "ኩላትኩም ህጻናት፡ መንእሰያት፡ ዓበይትን ኣረጋውያንን፡ ብናይ ሕይወትን ጸሎትኩምን ምስክርነትኩምን ብመስዋእትኹምን ብለጋስነትኩምን ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓባራዊ ወንጌላዊ ተልእኾ ብንጥፈት ክትሳተፉ እላቦ" ምስ በሉ፣ ኣብ መወዳእታ ኩሎም ምእመናን ናብ ማርያም ኣደ ክርስቶስ ተስፋና ክንምለስ ብምምሕጻን ነዚ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ፣ እቲ ክመጽእ ዝኾነ ዓመታት ኩሉ ሕድሪ ክብሉ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።  

06 Feb 2025, 16:25