ር.ሊ.ጳ. ናብ ላቲን ኣመሪካ ራብዓይ ጉባኤ ብዛዕባ ሰብ ሰርሖ ኣስትወዕሎት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎት ክንጥቀም ወይ ክንሓንጽ እንኮለና፣ ሓላፍነት መሰረታዊ ምዃኑ ክንዝክር ኣሎና . . . እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ናብቲ ካብ ዕለት 25 ክሳብ ዕለት 27 ለካቲት 2025 ዓ.ም. ኣብ ፔሩ ከተማ ሊማ ‘ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎትን ጾታዊ ዓመጽን ንመከላኸሊ ሓድሽ ብድሆ’ ብዝብል ኣርእስቲ፣ ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ሕይወትን ማሕበራት ሓዋርያዊ ጉስነትን ዝሓቁፍ ማሕበርን ጳጳሳዊ ሽማግለ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ተኣፋፍያንን” ዝተዳለወ ራብዓይ ጉባኤ ላቲን ኣመሪካ ተጋባእያን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣተሓሳሲቦም፣ "ነዚ መዓት ካብ ሕብረተሰብ ንምጥፋእ ዝዓለመ ኩሉ ጻዕርታት ክቕጽልን ብፍላይ ድማ ነቲ እተካይድዎ ዘለኹም ተበግሶ እግዚኣብሔር ፍርያም ክገብሮን ክባርኽን እጽሊ . . . ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሰውራ ሰብ ሰርሖ ኣስተውሎት ኣብ መርበብ
"ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎት፣ ኣብቲ ኩሉ ግዜ ዝምዕብል ክውንነት መርበብ ሰውራ ከም ዘተኣታተው ቅዱሰንቶም ኣስተብሂሎም፣ "ንሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ካህን እደ ጥበባዊ መዳያት ናይዞም ኣርእስታት ንምርዳእ ከጸግሞ ይኽእል'ዩ፡ ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ኣዚዩ ኣብ ዝሰፈሓሉ ዓለም ማዕረ ማዕረ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ምዕባለታት ሓቀይና እዋናዊ ሓበሬታ ክትረክብ ኣጸጋሚ እዩ . . . ሓቂ - ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ፣ እዚ ኩሉ ግዜ ኣገዳሲ ዝኾነን ዘይቀያየርን ‘ሓቂ’ ንሱ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኵላትና ሓላፍነት ኣሎና
ኣብ ጉዳይ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎት ዘይተሓታትነት ጉዳይ ዘሎ ይመስል . . . እዚ ድማ ካብ ምርኣይ፡ ምትሕልላፍን ወይ ምእካብን ጸብጻባት ሓሊፉ ናብ ምፍጣር 'ሓድሽ' ስነ-ጥበባዊ ትሕዝቶ እናተሰጋገረ፡ ናብ ሓድሽ ደረጃ ይበጽሕ ኣሎ . . . ነዚ ኹሉ ኣብ ግምት ብምእታው እዚ ሓድሽ እደ ጠብባዊ ምዕባለ ኣብ ስነ ምግባርን ግብረ ገብን ዝተሰረተ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ ሕጊ ክህልዎ ከም ዘለዎ ዘዘኻኸሩ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፣
"ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎግ ትእዛዛትና እዩ ዝኽተል፣ ባዕሉ ኣይውስንን . . . ስለዚ ዝወሃቦ መርሓ ግብሪ ዝኽተል እዩ፣ እዚ ኸኣ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎት ዝሰርሕ ሰብ ዓቢ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ክዝንጋዕ የብሉን . . ብዛዕባ ሓደጋታት ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎት ምስቲ ብናህሪ መኪና ክንዝውር እንኮለና ምስ ከጋጥም ዝኽእል ሓደጋ ኣነጻጺሮም፣ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ምጥቃም ዝኽተሎ ስርዓትን ሕግን እንተደኣ ዘየለ መጋበርያ ጥፍኣት እዩ ዝኸውን ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ቅዱሳት መጻሕፍቲ
እደ ጥበብን ስራሓቱን፣ "ድሕነት ዘረጋግጽ ክኸውን ኣለዎ . . . ቅዱሳን ጽሑፍቲ ነቲ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ዘስዕቦ ምላሽ ኣብ ምሃብ ክመርሑና ከም ዝኽኣሉ ድማ ኣዘኻኺሮም፣ “ነቶም ብዘጋጠሞም ዓመጽ ናብ ኣምላኽ ድምጾም ዘስምዑ ግዳያት ድምጺ ብምሃብ ሓሶት ዘቃልዕ ክኸውንን ድማ ኣተሓሳሲቦም፣ ዝምልከቶም ኣካላት እዚ ሓድሽ እደ ጥበብ እዚ ጭቡጥን ተግባራውን ስርዓታት ክህልዎ ኣብ ምግባር ሓላፍነት ድማ ከም ዘለዎም ኣዘኻኺሮም፣ እዚ ድማ ነቲ ጎዳእን ገበናዊ ኣጠቓቕማእኡ ንምክልኻል ይሕግዝ ስለዚ ኣብዚ መዳይ ዘሎ ሰብኣዊ ሓላፍነት ከይዝንጋዕ ተማሕጺኖም፣ ኣብ መወዳእታ ንተሳተፍቲ ጉባኤ ኢየሱስ ክባርኾምን ማርያም ክትሕልዎምን እጽልይ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።