MAP

ር. ሊ. ጳ.፦ ስነ-ጥበባውያን ንደቂ ሰብ 'መገዶም ንኸይስሕቱ' ይሕግዝዎም

ብፁዕ ካርዲናል ደ መንዶሳ ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ባህልን ትምህርትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ኢዮቤል ሥነ ጥበባውያን ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ንቅዱስነቶም ብምውካል ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣመሓላለፉሎም። ኣብኡ ኸኣ ሥነ-ጥበባውያን ጽባቐ ኣብ ምፍጣርን ሓቅን ሰናይን ኣብ ምግላጽን ጥራይ ዘይኰነስ፣ ብዛዕባ ግዜን ዕላማታትን ሕቶታት ኣብ ምሕታት ወሳኒ ግደ ኸም ዘለዎም ኣመልከቱ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ብምኽንያት ኢዮቤል ሥነ-ጥበባውይን ኣብ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍርንቸስኮ ንመሃዝቲ ሥነ ጥበባዉያን "ነቲ ሰውራዊ ኣረኣእያ ዓንቀጽ ብጽዕና መሰኻኽር" ኪዀኑ ጻውዒት ኣቕረበሎም።
ኣብዚ እዋን እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብሰንኪ ዘጋጠሞም ጥዕናዊ ጸገማት ኣብ ሆስፒታል ስለ ዝርከቡ ዘለዉ፣ እቶም ህየንታ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ባህልን ትምህርትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዝዀኑ ብፁዕ ካርዲናል ሆሴ ቶለንቲኖ ደ መንዶንሳ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ ነቲ ቅዱስነቶም ዘሰናደውዎ ኣስተንትኖ ኣንበቡሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣስተንትኖኦም ብፅዕና ምምስካር ክበሃል ከሎ ጽባቐ ምፍጣር ጥራይ ዘይኰነስ "ነቲ ኣብ ውሽጢ ታሪኽ እተሓብአ ሓቅን ሰናይን ምግላጽ . . ." ከምኡውን "ነቶም ድምጺ ዘይብሎም ድምጺ ምዃን" ኢዩ በሉ።

ሓወልቲ ርሕሩሕ ልበ ማርያም ብሚኪኤል ኣንጀሎ ኣብ ባዚልካ ቅዱስ ጴጥሮስ
ሓወልቲ ርሕሩሕ ልበ ማርያም ብሚኪኤል ኣንጀሎ ኣብ ባዚልካ ቅዱስ ጴጥሮስ   (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ህልውናዊ ዝኾነ ሕቶታት ምሕታት

ብድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ስነ-ጥበባውያን ብዛዕባ ዓሚቝ ትርጕም ህይወት ሕቶታት ናይ ምሕታት ሓላፍነት ከም ዘለዎም ውን ኣጕልሑ።

ኣብ "ቍጠባውን ማሕበራውን ቅልውላው" ንነብር እኳ እንተ ሃሎና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ግን "ልዕሊ ዅሉ መንፈሳዊ ቕልውላው ትርጕም ዘለዎ ቕልውላው" ምዃኑ ኣጕልሑ።

ብዛዕባ ግዜን ዕላማን ሕቶታት ንኽንሓትት ዚሕግዙና ሥነ-ጥበባውያን ከም ዜድልዩና ውን ኣመልከቱ። ነገድያን ዲና ወይስ ኮብለልቲ ? ክብሉ ብምሕታት ውን፣ ጕዕዞና መዓርፎ ዘለዎ ድዩ ወይስ ኣንፈት ዝሰሓትና ኢና?" ክብሉ ውን ሓተቱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ሥነ ጥበባውያን "ንደቂ ሰብ መገዶም ንኸይስሕቱ ምሕጋዝ" ሓላፍነት ኣለዎም ክብሉ ውን መዓዱ።

መሥዋዕተ ቅዳሴ ኢዮቤል ሥነ ጥበባውያን ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ
መሥዋዕተ ቅዳሴ ኢዮቤል ሥነ ጥበባውያን ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ   (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ስነ-ጥበብን ሜመያን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ኣስተንትኖኦም፣ ካልእ ኣገዳሲ ግደ ሥነ ጥበብ ንውልቀ-ሰባት ነቲ ጽቡቕን ክፉእን ዘለዎ "ድምጺ" ፈልዮም ንኸለልዩ ምሕጋዝ ምዃኑ ውን ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ስነ ጥበባውያን ነዚ ንዜቃልሕ ነገራት "ኣዝዮም እዮም ዝጥንቀቑሉ፣ ስለዚ "ነዚ ኪገልጹልናን በየናይ መገዲ ኸም ዚመርሑናን ኼርእዩናን ጽውዓት ኢዮም፣ ወይ ዜስድዕ ድምጺ ሓባሪ ወይ ከኣ ንደቂ ሰብ ብዝስሕብ ሓቅነቱ እተረጋገጸ ኩነትን" ኢዮም ዝገብርዎ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ መዝሙር ዳዊት ምዕራፍ 1 ብምጥቃስ ነቶም ኣብ ዕዮኦም ዚጽመዱ ሰባት፣ ነቲ "ብንፋስ ፋሕ ዝብል ቡቕቡቕ" ካብቲ "ኣብ ብወሓዚ ማይ እተተኽለ ኣእዋም" ንኺፈልዩ ናይ ምሕጋዝ ግደ ኸም ዘለዎም ሓሳባቶም ኣካፈሉ።

መሥዋዕተ ቅዳሴ ንኢዮቤል ሥነ ጥበባውያንን ዓለም ለኻዊ ባህልን
መሥዋዕተ ቅዳሴ ንኢዮቤል ሥነ ጥበባውያንን ዓለም ለኻዊ ባህልን   (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ዓንቀጽ ብፁዓን፦ 'ናይ ኣረኣእያ ሰውራ'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብቲ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል ምልስ ብምባል ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ዓንቀጽ ብፁዓን ዝኣወጆ ኣዋጅ ኣብ ኣስተንትኖኦም ብምጥቃስ ዛዘሙ።
ቅዱስ ወንጌል ከምዚ ይብለና - "ኢየሱስ ንድኻታትን ንጽጉማትን ነቶም ትሑታትን ከምኡውን ነቶም ዝስደዱ ከም ብፁዓት ገይሩ ኢዩ ዘቕርበልና ዘሎ፣ እዚ ድማ "ናይ ኣረኣእያ ለውጢ" ኢዩ፣ ከምኡውን "ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ" ዝሓትት ኢዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መደምደምታ ስብከቶም "ካብ ምንዳይን ምሕታትን ከምኡውን ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ፈጺምኩም ኣይተቋርጹ" ቢሎም ብምምሕጻን፣ ኣብዚ ሰውራ እዚ ኽካፈሉ ጻውዒት ቕረቡሎም።

17 Feb 2025, 15:23