ር.ሊ.ጳ.፡ ቤተ ክርስቲያን ኩሎም ሓደ ዓይነት ክብሪ ናይ ዘለዎም ኣሕዋት ስድራቤት ክትከውን ይግባእ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይቲ ማሕበር መጸውዕ ዝኾነ ቅዋም ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን “ፍስሕን ተስፋን”፣ ኩሎም ኣባላት ቤተ ክርስቲያን ካብ ዝነኣሱን ዝተገለሉን ኩሎም “ብክርስቶስ ተጠርኒፎም” ሓደ ዓይነት ክብሪ” ኣብ ዘለዎ “ኣድማሳዊ ሕውነት፣ ዝተጠርነፉ ምዃኖም የዘኻኽረና፣ እንክብሉ ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ ፖርቶሪኮ ዋና መንበሩ ዝኾነ ኣብ መላእ ዓለምን ኣብ ውጥናት ማሕበራዊ ድሕነትን ባህላዊ ምዕቃብን ዝሰርሕ ትካል “ፍስሓን ተስፋን” ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣጉሊሒም፣ እቲ ትካል ዝጽውዓሉ ስም ካብ ውሳኔ ካልይ ጉባኤ ቫቲካን ዝተወስደ ምዃኑ ድማ ብምዝኽካር፡ “ብፍላይ ኣብቶም ኣዝዮም ዝሳቐዩ ሰባት ብሓድነት ዝግለጽ” “ሲኖዳውነት መንፈስ ቤተ ክርስቲያን” ዘጉልሕ እውን ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ንዝተጸገሙ ምግልጋል
ቅዱስነቶም “ንዝደኸዩ ዝድግፍ” ትካል “ፍስሓን ተስፋን” ስለ ኣገልግሎቱ ኣመስጊኖም፣ ነቲ ቅዋም “ፍስሃን ተስፋን” “እዋናዊ” ዝገብሮ፣ ተራ ቤተ ክርስቲያን ኣብ እዋናዊ ዓለም ከም ዝኾነ ድማ ገሊጾም፣ እቲ ቅዋም ፍስሓን ተስፋን ኣብ መወዳእታ መዓልቲ ጉባኤ ካልኣይ ቫቲካን ዝተሓትመ እውን ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፣ እቲ ሰነድ ንኹሎም ኣባላት ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓደ ኣካል፡ ማለት “ስድራቤት” ምዃኖም ዝገልጽ ከም ዝኾነ ኣስተብሂሎም፡ እቲ ስድራ ቤት ኣብ ምዃን ዘሎ ሓድነትን ጽንዓትን ብሓገዝ “እቲ ፍቕሪ ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ” ጸኒዑ ይቕጽል ከም ዘሎ ኣመላኺቶም፣ እዚ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ እዚ፣ ብዘይ ኣፈላላይ ናብ ኩሉ ሰብ ክበጽሕ ዝደሊ መሳርሒ ፍቕሪ ኣምላኽ ክንከውን ይመርሓና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
እዛ ስድራ ቤት እዚኣ ሰንበት ሰንበት ኣብ ቅዳሴ ብሓባር እትሳተፍ መኣዲ ቅዱስ ቍርባን እትካፈል እያ። ሓደ ዓይነት እንጌራ ስለ እንካፈል ካብ ምዃንና ሓደ ኣካል ኢና እንምስርት" ቢሎም፣ እዚ መንፈሳዊ መግቢ እዚ ንዅሉ ብማዕረ ዝቐርብ ከምኡውን ምስ ኣምላኽን ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከም እንራኸብ ዝገብረና ኢዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ምልክታት ተስፋ ነቶም ዝሳቐዩ
ቅዱስነቶም ኣብዚ “ነጋድያ ተስፋ” ብዝብል መሪሕ ቃል ዝተሰነየ እንነብሮ ዘሎና ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. እውን ነቶም ዝሳቐዩን ተስፋ ዝቘረጹን ብዙሓት ሰባት ተስፋ ዝገብሩሉ ምኽንያት" ከምኡውን "ብግብርኹም ኣምላኽ ከም ዝሓልየሎምን ኣብ ስቓዮም ከም ዘጸናንዖምን ኰይኑ ስለ ዝስምዖም" አመስግነኩም እንክብሉ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።