MAP

ITALY-VATICAN-POPE-HEALTH ITALY-VATICAN-POPE-HEALTH  (AFP or licensors)

ር. ሊ. ጳ. ኣብ ሆስፒታል ፦ ኣብ ጽኑዕ ኩነታት እኳ እንተ ሃለዉ፣ ሓድሽ ጸግማት ግን የብሎምን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እተገብረሎም ክንክን ጥዕናን ልገሳ ደምን፣ ጥዕናኦም ብእተወሰነ መልክዑ ይመሓየሽ ኢዩ ዘሎ፣ ቅዱስነቶም ውን ክሳዕ ሕጂ ንቑሕ ኢዮም ዘለዉ፣ ሕገዛ ኦክስጅን ድማ ይግበረሎም ኣሎ። ግለ ቁሩብ ምልክታት ድኽመት ኩላሊት ውን ተራእይዎም ኣሎ። ትማሊ ንግሆ ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ተሳቲፎም፣ ሎሚ ድማ ጽቡቅ ከም ዝሓደሩ ተፈሊጡ ኣሎ።

ዜና ቫቲካን

ትማሊ ሰንበት ምሸት ካብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ ከም ዝሓበሮ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከምዚ ዝስዕብ ዝብል ሕክምናዊ ሓበሬታ ሃበ -

ኵነታት ጥዕና ቅዱስ ኣቦ ጽኑዕ እኳ እንተዀነ ካብ ትማሊ ምሸት ኣትሒዞም ግን ኣብ ሥርዓተ ምስትንፋስ ተወሳኺ ጸገማት ኣየጋጠሞምን።

ክልተ ዙር ዝተለገሰ ደም ተዋሂብዎም ጽቡቕ ውን ጥቒምዎም መጠን ሄሞግሎቢኖም ድማ ወሲኹ ኣሎ።  እቲ ዝነበሮም ጸገም ጉድለት ደም ድማ ርጉእ ኢዩ ዘሎ፣ ይኹን እምበር ገለ ዝገበርዎ መርመራታት ደም ከም ዚሕብሮ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ዘሎ ትሑት ድኽመት ኩሊት ተረኺብዎም ኣሎ።

እኹል ሕገዛ ኦክስጅን ብመስመር ኣፍንጫ ዝወሃብ ሕገዛ ውን ይቕጸለሎም ኣሎ።

ቅዱስ ኣቦና ንቑሕን ኣብ ደሓን ኩነታትን ኢዮም ዝርከቡ ዘለዉ።

ሕልኽላኻት እቲ ጥዕናዊ ዅነታቶም ነቲ ውጽኢት ናይ ዝወስድዎ ዘለዉ መድሓኒታት ንምርኣይ ኣድላዪ ግዜን መርመራታትን ክግበረሎም ውን ኣድላዪ ኢዩ።

ትማሊ ንግሆ ኣብቲ ኣብ ዓስራይ ደርቢ ዚርከብ ክፍልታት ምስቶም ኣብ ሆስፒታል ዚከናኸንዎም ዘለዉ ሰብ ሞያ ጥዕና ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ተሳቲፎም።

ብመሰረት ሎሚ ሰኑይ ንግሆ ካብ ብቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ ድማ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሆስፒታል ኣብ ዝገበርዎ መበል ዓስረይ ለይቲ ጽቡቕ ኣዕሪፎም ከም ዝሓደሩ ተፈሊቱ ኣሎ።

እቲ ዝመጸ መግለጺ ከም ዝሕብሮ "ሎሚ ለይቲ ደሓን ኢዮም ሓዲሮም፣ ጽቡቕ ደቂሶም የዕሪፎም ኢዮም ሃዲሮም" ይብል።

24 Feb 2025, 13:00