ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ጸዋዕታ ማለት ድሌታት ካልኦት ምግንዛብ ማለት እዩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ናብቲ፣ ንመን ናብ መን እየ? ምትእኽኻብ ናይቶም ናብ ተልእኾ ዝተጸውዑ ብዝብል ቅዉም ሓሳብ ተመሪሑ ካብ 70 ሃገረ ሰበኻታት ስጳጳይና 65 ጳጳሳት ዝርከብዎም ብጠቕላላ ካብ 54 ዓለማውያን ምንቅስቓሳትን ማሕበራትን፣ 120 ማሕበራት ስብ ውፉይ ህይወትን፣ 250 ዝተፈላለዩ ናይ ተልእኾ ማሕበራት ኣካላትን ዝውክሉ 3,000 ተግባእያን ኣሳቲፉ፣ ካብ ዕለት 7 ክሳብ 9 ለካቲት ኣብ ማድሪድ ናብ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ድሌታት ኣሕዋትካን ኣሓትካን ዝግንዘብ ኣረኣእያ ኣማዕብል ዝብል ሕሳብ ከም ዘስመሩሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን፡ ኣስታት ሓደ ሲሶ ካብቶም ተሳተፍቲ ድማ ትሕቲ 35 ዓመት ዕድመ ምዃኖም የመላኽት።
እዚ ንሰለስተ መዓልቲ ዝካየደ ዓውደ ጉባኤ ኣብ 2021 ዓ.ም. እተጀመረ ኮይኑ፡ እቲ ናይ ለምዘበን ዓውደ ጉባኤ መርሕ ቃል፡ ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ህይወትን ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት እቲ ካብ ዕለት 3 – 28 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. መንሰያት እምነትን መመያ ጸዋዕታን ብዝብል እርእስቲ ድሕሪ ዝተኻየደ ሲኖዶስ፣ “Christus Vivit - ክርስቶስ ህያው እዩ” ብዝብል ኣርስቲ ቅዱስነቶም ኣብ ዝገለስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ድሕረ ሲኖዶስ ዘሎ ፍቕዲ 286 ዘቃልሕ ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ተውህቦ ምጥቃም
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እነንብቦ ብዛዕባ ናይ ሕደ ሃብታም መንእሰይ ታሪኽ ዘዘንትው ክፍሊ መሰረት ገይሮም፡ ክርስቶስ ነቲ ናይ ዘለኣለም ሕይወት ንኽረክብ እንታይ ክገብር ኣሎኒ እንክብል እቲ ሃብታም መንእሰይ ንዘእቕረበሉ ሕቶ ዝሃቦ መልሲ፡ እንከስትንትኑ፣ "ኩላትና መጋቢያን ናይቲ ጎይታ ዝሃበና ህያባት ጸጋን ተፈጥሮን ኢና። መክሊትና ክውፈርን ከፍርን ድማ ኣለዎ፤ ጥሪትናን ረብሓታቱን ናብ ካልኦት ክበጽሕ ክካፈል ኣለዎ . . . እቲ ንደልዮ ሰናይ ጠለባት ብምምላእ ወይ ሸቶታት ብምብጻሕ ጥራይ ክረጋገጽ ከምዘይክእል ኣስሚሮም፣ ዋላ ካብ ንእስነትና ኣትሒዝና ኩሉ ክንገብሮ እንተጸዓርና፡ ሓደ ኣገዳሲ ነገር ወትሩ ክጎድል ይኽል፡ እዚ ድማ ንኢየሱስ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ፈተና ፍቕሪ ኣብ ምስዓብና ዝረኸብናዮ ፍጹም ህያብ ገዛእ ርእስና እዩ (ገዛእ ረእስኻ ኣሕሊካ ካም ምሃብ ዝዓበየ ፍቕሪ የሎን)” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ንኻልኦት ዝኸውን ህይወት
ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ነቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ስጳይና ዘጋጠመ ኣዕናዊ ብርቱዕ ህቦብላን ውሕጅን ብምዝካር፣ ነቲ ስዒቡ ዝመጸ ብዙሕ ናይ ትብዓትን ምትሕግጋዝን ተግባራት ኣጒሊሖም፣ “ካልኦት” ዝጭበጥ ዕላማ ህይወትና ምዃኖም ብኣጽንዖት ኣዘካኺሮም፣ ነቲ ኣብቲ ኣምላኽ ዝጸውዖ ኣገዳሲ ተልእኾ ወፍሪ ክገብር ዘይከኣለ ሃብታም መንእሰይ ብምሕሳብን ነዚ ኣብ ላ ፓልማ እሳተ ጎመራ ኣብ ዝተፈንጀረሉ እዋን፡ ነቶም በቲ ሓደጋ ዝተሃስዩ ሰባት ንምሕጋዝ፡ ዝተመዘባሉን ስደተይናታትን ንምቕባል ወይ ንምኣላይ ዘይተለምደ ስጉምትታት ምስ ዝወሰዱ ኣነጻጺሮም፡ ኣብቲ ኣምላኽ ዝጽውዓና ኣገዳሲ ተልእኮ ወፍሪ ክንገብር ትብዓት ይሃለወና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ኣድማሳዊ ጻውዒት ልግሲ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዋታውን መንፈሳውን ጸጋታትና ካብ ካልኦትን ካብ እግዚኣብሔርን ክርሕቁና ከም ዝኽእሉ ኣጠንቂቖም፡ ንዋታውን መንፈሳውን ጸጋታትና ከይነባኽን ተማሕጺኖም፡ ሰባት “ ንሓድሕድና ኻብ ምፍቃር ሓሊፍና ኻልእ ዕዳ የብልናን . . . ብጀካ ፍቕሪ ካልእ ዕዳ የብልናን” ኣብ ዝብሉሉ ደረጃ ክበጽሑ ዘተባብዑ ቅዱስነቶም ኣተሓሒዞም፣ ንኣምላኽ ናብ ኩሉ መዳያት ህይወት ምምጻእ/ምቕራብ ከምዘድሊ ኣስሚሮም፣ “እዚ ድማ ጸዋዕታና እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ነቲ ናይ ሓደ ሰብ ጸጋታት እኹል ኣይኮነን ዝብል ኣተሓሳስባ ብምንጻግ፡ ሓዋርያት "ወርቅን ብሩርን" እኳ እንተጎደሎም፡ መንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐበሉ፡ ድኻታት ዘድልዮም ኣስተውዒሎም ካብ ትጽቢት ንላዕሊ ምላሽ ከም ዝሃቡ ብምዝኽካር፡ ኣብ ክንዲ ምጽዋት ዝህቡ፡ ነቲ ኣብ ኣፍደገ ቤተ መቕደስ ዝነበረ ልሙስ (ግብ 3፡1-8) ክጥምቶም ዝሓተትዎ፣ “ጴጥሮስን ዮሃንስን ብታስዐይቲ ሰዓት ብጊዜ ጸሎት ናብ ቤተ መቕደስ ብሓንሳእ ደየቡ። ካብ ከርሲ ኣዲኡ ሒዙ ኣእጋሩ ዝሞተ ሰብኣይ ካብቶም ናብ ቤተ መቕደስ ዚአትው ምጽዋት ምእንቲ ኺልምን፡ ጾይሮም ኣብ ጸጽባሕ ኣብታ ጽብቕቲ እትበሀል ደገ ቤተ መቕደስ የቐምጥዎ ነበሩ። ንሱ ኸኣ ጴጥሮስን ዮሃንስን ናብ ቤተ መቕደስ ኪኣትዉ ኸም ዝደለዩ ምስ ረአዮም፡ ኪምጽዉቱሉ ለመኖም። ጴጥሮስ ምስ ዮሃንስ ኰይኑ ጠመቶ እሞ፡ ናባና ጠምት፡ በሎ። ንሱ ኸኣ ካባታቶም ገለ ዚረክብ መሲልዎ፡ ተኲሩ ጠመቶም። ጴጥሮስ ከኣ፡ ወርቅን ብሩርን የብለይን፡ እቲ ዘሎኒ ግና እህበካ፡ ብስም ኦየሱስ ክርስቶስ ናዝሬታዊ ተንስእ እሞ ኺድ፡ በሎ (ግብ 3፡1-8)።” ጴጥሮስን ዮሃንስን ድኽነቶም ይምስክሩ፡ ኣቓልቦኡ ምስ ረኸቡ ድማ ካብ ጸበባኡ ክትንስእ ዓደምዎ. . . እንክብሉ ከም ዘብርሁ ኣፍሊጡ።
͉ባኤ...
እቲ ጉባኤ ብቃል ሰላምታ ናይ ስጳይና ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ጳጳስ ሉዊስ ኣርጉኤ፤ ብናይ ሰበኻ ማድሪድ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ኾሴ ኮቦ፤ ናይ ስጳይና ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ጉዳያት ጸዋዕታን መንእሰያትን ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ሊቀ ጳጳሳት ጆሴ ማኑኤል ጋርስያ ኮርዴሮ፤ ከምኡ’ውን ኣብ ስጳይና ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት በርናርዲቶ ለኦፓስ ኣኡዛ ከም እተበገሰን፣ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ቀዳማይ ውዕሎ ውጽኢት ሓባራዊ ጻዕሪ ዝኾነ ናይ መጀመርታ ማዕቅፋዊ ሰነድብ ብምቕራብ ዝተጀመረ ኮይኑ፣ ብናይ ስጳይና ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ናይ ዓለማውያንን ስድራ ቤትን ህይወትን ዝሓልይ ሽማግለ ኣቦ መንበር ጳጳስ ካርሎስ ኬስክሪባኖ ብዝመርሕዎ ጸሎት ከም እተዛዘመ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ዕለት 8 ለካቲት ኣብ ኣርባዕተ ቀንዲ ኣርእስታት፡ ማለት ቃል፡ ማሕበረሰብ፡ ርእሰ ነገራውነትን ተልእኾን ዝብል ምንባሩን ኣብዚ ኣርባዕተ ቀንዲ ነጥብታት ኣስታት ስሳ ዓውደ መጽናዕትታት ቀሪቡን ኣብ መወዳእታኡ ድማ ንርድኢታትን ለበዋታትን ናይቲ ውዕሎ ዝገልጽ ሓጺር ጸብጻብ ከም ዝቐረበ የመላኽት።