ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ኢየሱስ ክርስቶስ ተስፋና እዩ፣” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብዚ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ዘበገስዎ ተኸታታሊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ክርስቶስ ብምቕጻል፣ ኣብቲ ዕለት 12 ለካቲት ዘቕረብዎ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ናብ ልደት ኢየሱስ ኣብ ቤተልሔም ኣቕኒዖም፡ ትሕትና ናይቲ ኣብ ፍሉይ ግዜን ቦታን ክውለድ ዝመረጸ እግዚኣብሔር ኣጉሊሖም፡ ኣብ ኣዝዩ ትሑት ኩነታት ክውለድ ዝመረጸ ምዃኑ የብርሁ።
ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፣ ኢየሱስ ቅድሚ ምውላዱ እውን እንተኾነ፡ ገዛእ ርእሱ ‘መሻርኽቲ ጉዕዞና ገበረ’ ኣብቲ ኣዲዩ ንኤልሳቤጥ ንኽትበጽሓ ዝገበረቶ ጎዕዞ እውን ኣብ ማሕጸን ኣዲዩ ኮይኑ ይሳተፍ ናብ ኤልሳቤጥ ይጓዓዝ፣ ጸኒሑ ድማ ምስ ማርያምን ዮሴፍን ኣብ ቆጸራ ህዝቢ ንኽምዝገብ ናብ ቤተልሄም ከም እተጓዕዘ የዘኻኽሩ።
ሓድሽ ቃል ብስራት
እቶም ቀዳሞት መሰኻኽር ልደት መሲሕ፣ ጓሶት እዮም ነይሮም፣ “ዘይተመሃሩ: ብቐጻሊ ምስ ዘቤታውያን እንስሳታት ዝውዕሉን ጨና ናይቲ ዝጓስይዎ ኣሓ ዘለዎም፣ ኣብ ወሰን ሕብረተሰብ ዝነብሩ” ምዃኖም ገሊጾም፣ ምስኡ ኸኣ፡ እቶም ጓሶት ነቲ “እግዚኣብሄር ገዛእ ርእሱ ንህዝቡ ዘፍልጠሉ” ኣገባብ ይለማመዱ። ከምኡ’ውን ከም ቀዳሞት ተቐበልቲ ናይቲ ወትሩ ኣብ ዝኾነ ግዜ ዝዓበየ፡ “መሲሕን ጎይታን ዝኾነ መድሕን ተወሊዱልኩም እዩ” ዝብል ኣዋጅ ሓድሽ ቃል ብስራት ከም ዝኾኑ የዘኻኽሩ።
ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፡ ኢየሱስ ዝነበሮ ትሑት ትርኢት፡ እቲ ዝተወለደሉ መብልዕ ማል ዘረጋግጾ እውን እዩ። እቶም ጓሶት ኣብ መብልዕ ማል ደቂሱ ረኸብዎ። እቲ ዘሐጕስ ድማ እቲ መድሓኒኦም ዝዀነ መሲሕ "ንእንስሳታት ዘቤት ኣብ እተሓዝአ ኣዝዩ ትሑት ቦታ ምርካቦም፥ ንኽግረሙን ንኺውድሱን ዘሐጕስ ሓድሽ ብስራ ንኺዝምሩን ንኽውጁን ልቦም ዝለ ዝከፍተሎም እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ።
ከምቲ ኣብቲ Admirabile signum - ዘደንቕ ምልክት ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቶም ዝበልዎ፥ “ንፍጻመ ስጋዌ ሓንጎፋይ ቢሎም ዝቕበሉ ትሑታትን ድኻታትን እዮም” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምግራምን ምምስጋንን
ቅዱስ ኣቦና ምእመናን “ነቲ ንሱ ዝሃበና: መክሊት፡ መንፈሳዊ ህያብ፡ ጸዋዕታናን ኣብ ጉዕዞና ዝራኽቡናን ክንከናኸን መታን ከምቶም ጓሶት፣ “ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ክግረሙን ክመስገኑን” ዘእኽሎምን ጸጋ ክዕደሉ ክጽልዩ ኣዲሞም፣ ኣብ መወዳእታ ድማ “እግዚኣብሄር ነቲ ንዅሉ ሰብኣውነት ብተስፋ ዝመልአ መደቡ ንዓለም ከሐድስን ሕይወትና ክቕይርን ዝመጽእ ናይ ሕጻነ ወልደ እግዚኣብሔር ሓይሊ ኣብ ድኽመትና ከነስተውዕሎ ክሕግዘና ንለምኖ” እንክብሉ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስትምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከም ዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።