ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኲናት ኣብ ዝካየደሉ ዞባታት ንዝርከቡ ካህናትን ውፉያትን የመስግኑ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ድሕሪ ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ነቶም ኣብቲ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዝተረኽቡ ነጋዲያን ዝተፈላለያ ሃገራት ሰላምታ ኣቕሪቦም። ምእንቲ ሰላም ክጽልዩ ድማ ተላብዮም፣ ጻውዒት ሰላም ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ነቲ ንዓለም ዘሳቕያ ዘሎ ኩናት ዳግማይ ዘኪሮም፣ ናብ ዩክሬን፣ እስራኤልን ፍልስጤምን ሓዊሱ ብኲናት ናብ ዝሳቐያ ሃገራት ሓሳቦም ኣቕኒዖም፣ "ንኹሎም ተመዛበልቲ ፍልስጤም ንዘክር፣ ስሌኦም ንጸሊ፣” እንክብሉ ተማሕጺኖም፣ ንኹሎም ኣብተን ብኲናት ዝተሃስያን ድኻታትን ሃገራት፣ ብፍላይ ኣብ ዩክሬንን ማእከላይ ምብራቕን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ብትብዓት ዘገልግሉ ዘለዉ ካህናትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን ምስጋናኦም ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ተስፋን ምስጋናን
ከምቲ እኖ ኣምላኽ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝገበረቶ፣ ኩሎም ኣብ ጎይታ ክውከሉን ተስፋ ክዕቅቡን እግዚኣብሔር ኣብ ሕይወቶም ዝፈጸሞ ዓበይቲ ነገራት ብሞሳ ክዝክሩ ዓዲሞም፣ ሓዋርያዊ ቡራኬ ቅድሚ ምሃቦም፣ ንመንእሰያትን ንሕሙማትን ኣረጋውያንን ሓደስቲ መርዓውትን ሰላምታ ብምቕራብ፣ ብተስፋ ክሕጐሱን ኣብ ኩሉ ዘጋጥም ፈተናታት ጽኑዖኣት ክኾኑን ኣብ ጸሎት ክጸንዑን ንዝተጸገሙ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ክሕግዙ ቃል ክኣትዉ ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን የመላኽት