MAP

2025.02.09 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መላእ ዓለም ግጭት ኣብ ዘለሉ ከባቢታት ሰላም ክህሉ ይጽልዩ 2025.02.09 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መላእ ዓለም ግጭት ኣብ ዘለሉ ከባቢታት ሰላም ክህሉ ይጽልዩ  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መላእ ዓለም ግጭት ኣብ ዘለሉ ከባቢታት ሰላም ክህሉ ይጽልዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍራንቸስኮ ዕለት 9 ለካቲት ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ካብ ዕለት 8 – 9 ለካቲት ንሓይሊ ምክልኻልን ሓለዋ ጸጥታን ኣብ ዝተወፈየ መዓልቲ ኢዮቤል ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋድያን ተስፋ ኣባላት ሓይሊ ምክልኻልን ሓይሊ ጸጥታን ዘሳተፈ ድሕሪ ዘዕረገዎ መሳዋዕተ ቅድሴ፥ ኣብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዘለዉ ሰባት፡ እቶም ኣብ ውትህድርና ዘገልግሉ ንሰላም ኣበርክቶ ዝገብሩ "ወኪላት ድሕንነትን ናጽነትን ህዝብታት" ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ብምዝኽካር፣ ኣብቲ ግጭት ዝበዝሖ ዞባታት ዩክረይን ፍልስጥኤም እስራኤል ምያንማር ኪቩ (ዲ. ኣር. ሲ.) ከምኡውን ሱዳን ሰላም ክወርድ ከም ዝጸለዩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም መጀመርያ ንኹሎም ኣብቲ ጽምብል ኢዮቤል ዝተረኽቡ ኣባላት ሓይሊ ምክልኻልን ሓይሊ ጸጥታን ምዉቕ ሰላምታ ኣቕሪቦም፣ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘሎ ውሳኔ ፍስሓን ተስፋን ብምጥቃስ ሰላም ንምቛም ኣበርክቶ ምግባር ኣድላዪ ምዃኑ ከም ዘዘኻኸሩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን፣"Gaudium et spes ፍስሓን ተስፋን”  . . . "እቶም ኣብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ሃገሮም ዝውፍዩ ንነብሶም ከም መጋበርያ ድሕነትን ሓርነትን ህዝብታት ክቖጽርዋ ይግባእ" እንክብሉ ኣተባቢዖም፣ “ወተሃድራዊ ኣገልግሎት "ንርእሰ - ምክልኻል ጥራይ ክኸውን ኣለዎ እምበር ኣብ ልዕሊ ካልኦት ኣህዛብ ፈጺሙ ዓብላሊ ንምዃን ዝኣተመ ክኸውን የብሉን . . .  ኩሉ ግዜ ኣብ ግጭት ክስዓብ ዘለዎ ኣህጉራዊ ውዕላት ብምኽባርን ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ንህይወትን ፍጥረትን ክቡር ዋጋ ኣኽብሮት ክህልዎ ይግባእ" እንክብሉ ከም ዘመላኸቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ መደምደምታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዩክሬን፡ ፍልስጤም፡ እስራኤልን ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ፡ ሚያንማር፡ ኪቩ (ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ)፡ ከምኡ'ውን ሱዳን ሰላም ክህሉ ኩሉ ምእንቲ ሰላም ክጽሊ ሓቲቶም። "ኣጽዋር ኣብ ኩሉ ቦታ ስቕ ይበል፣ ከምኡ'ውን ኣውያት ሰላም ዝልምኑ ሰባት ይስማዕ!" ቢሎም፣ ምእንቲ ሰላም እነቕርቦ ጸሎት ነማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንግስተ ሰላም ሕድሪ ንሃብ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

10 Feb 2025, 17:14