ኵነታት ጥዕና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቍሩብ ምምሕያሽ የርኢ ኣሎ
ዜና ቫቲካን
"ኵነታት ጥዕና ቅዱስ ኣቦና ገለ ምምሕያሻት የርኢ ኣሎ። ዝኾነ ረስኒ የብሎምን ሕክምናዊ ክንክኖም ድማ ይቕጽሉ ኣለዉ ። ትማሊ ንግሆ ቅዱስ ቍርባን ተቐቡሎም፣ ኣስዒቦም ድማ ንገለ ህጹጽ ዕዮታት ዕለቶም ኣወፍዮም ወዓሉ።"
እዚ መግለጺ እዚ ትማሊ ሓሙስ ምሸት ካብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ንጋዜጠይናታ ዝተወህበ ኢዩ ዝነበረ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ድሕሪ እቲ ዘጋጠሞም ሕማም ብሮንካይትስ ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለር 14 ለካቲት ናብ ሆስፒታል ኣጎስቲኖ ጀመሊ ሮማ ኣትዮም ይርከቡ ኣለዉ ።
ድሕሪ እቲ እተገብረሎም መርመራታት ክልተ ዓይነት ረኽሲ ሥርዓተ ምስትንፋስ ከም ዘለዎም ተፈሊጡ ኣሎ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እቲ ክወስድዎ ዝጸንሑ መድሓኒታት ገለ ምትዕርራያት ተገይሩሎም ኣሎ።
ኣመሓዳራ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ማትዮ ብሩኒ ትማሊ ሓሙስ ምሸት ብጋዜጠይናታት ንዝቐረበሉ ሕቶታት ኣብ ዝሃቦ መልሲ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሥርዓተ ምስትንፋሶም እተወሰነ ረኽሲ ከም ዘለዎም ደኣ እምበር፣ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ነድሪ ሳምቡእ ከም ዘይብሎም ሓቢሩ። ብተወሳኺ ውን ብዘይ ዝኾነ ሓገስ መስተንፈሲ ከም ዘስተንፍሱን ትርግታ ልቦም ውን ጽቡቕ ከም ዘሎ ገሊጹ ።
ኣብቲ መዓልታዊ ክልተ ሳዕ ዝወሃብ መግለጺ ኩነታት ጥዕና ቅዱስነቶም ከም ዝሕብሮ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝሓለፈ ለይቲ ብጽቡቕ የዕሪፎም ከም ዝሓደሩን ሎሚ ንግሆ ድማ ኣብ ደሓን ኩነታት ከም ዝተበራበሩን ካብ ዓራቶም ወሪዶም ቍርሲ ከም ዝተመገቡን ይሕብር።